ሱዳናዊ ዜጋ ዘጋጠሞ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ብሰርዓት ህግደፍ የዘንቱ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር
ነሓስ,17,2005
 ካርቱም

ግዳይ ናይዚ ማእሰርቲ ዝኾነ ሰዲግ መሓመድ ኣሕመድ ሱዳናዊ ዜጋ ኮይኑ በዓልቲ ቤቱ ኤርትራዊት ኣቦ ሸውዓተ ቖልዑ እዩ።ሰዲግ ኣብ በረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣንጻር መግዛአቲ ኢትዮጵያ ተሳቲፉ ክሳብ መወዳአታ ናጽነት እጃሙ ከምዘበርከተ ገሊጹ።ደሕሪ ናጽነት በኣቶ ጴትሮስ ሰለሙን ኣብ ኤርትራ ንግዳዊ ምውፋር ኪገበር ዕድመ ተጌሩለይ ኢሉ ኣብ ኣልወጠን ትበሃል ማዕልታዊት ግዜጣ ሱዳን ኣብሪሁ።ሰዲግ ከም ዘነጽሮ ዓቢ ሱዳናዊ ቤት መግቢ ኣብ ኣስመራ ከምዝኸፈተን  ካለእ ሃለኽቲ ኣቑሑት ካብ ሃገረ ኢማራት ዓራብ የምጽእ ከምዝነበረ ምስገለጸ ቀጺሉ ከምዚ ኢሉ ሂወቱ አንዳመርሐ ሰርዓት ህግደፍ ካብገለ ሰባት ጌጋ ዝኮነ ሓበሬታ ሒዙ ”ኣባል ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ኢኻ” ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ  ከምዛተወ ገሊጹ።ድሕሪ ነዊሕ ቃለ ምልልስ ምስ ግዜጣ ኣልወጠን ሰዲግ ኣብቲ ብሙቐቱ ኣሰቃቒ ዝኾነ ኣብ ደሴት ዳህላክ ዝርከብ  ቤት ማእሰርቲ ንበይነይ ኣብሓደ ገዛ ተዳጊነ ኢሉ።ሰለስተ ወርሒ ድሕሪ መእሳር ናብቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝረከብ ብ’ትራክቢ’ ዝፈለጥ ትሕቲ መሬት ቤት ማእሰርቲ ተወሲደ ኢሉ ሓቢሩ።እዚ ቤት ማአሰርቲ በዙሕ ናይ ኤለትሪክ ሾክን ካልእ ዘሳቒ ነገራተን ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።ሰዲግ ክገለጽ ከሎ ኣብቲ ቤት ማአሰርቲ ነዚ ኩሉ ስቓያት ከምዝሓለፈን ካልኦት ሱዳናውያን ዜጋታት ከም በዓል ካፒተን ወሊድ ኣልቱም ናይ ሱዳን ጸጥታ ኣባል ኢኹም ብምባል ኣብቲ ቦታ ተዳጊኖም ከምዘለዉ ሓቢሩ።ደሕሪ ገለ ኣዋርሕ ሰዲግ ናብቲ ናይ ብወንጀል መርመራ ዝፍለጥ ሓደ ደርቢ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ከምተወስደ ሓቢሩ ኣብቲ ላዕለዋይ ደርቢ እቶም ዶብ ጥሒሶም ናብ ጎረቤት ሃገር ኪሰግሩ ዘተታሕዙ ይርከብዎ ኣብቲ ታሐተዋይ ድማ ናይ ፖለቲካ እሱራት G-15 ከምዝነበሩን ገለ ካብኣቶም መሓሙድ ሸሪፎ፡ ሃይለ ወልደትንሳኤ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ሳልሕ ኬክያን፡ ካልኦት ሱዳናውያን ከም በዓል ኣቡልካሂራት ብ1995 ኣብ ኣስመራ ንትረዚደንት እቲ ስርዓት ክትቀትሎ ሓሲብካ ተባሂሉ ዝተኸሰን ሓደ ዓቢ ሱዳናዊ ነጋዳይ መሓመድ ዑስማን ኣልካሂርን ከምዝረኣየ ሓቢሩ።ስዲግ ከምዘነጸሮ ጴጥሮስ ሰለሙንን በዓልቲ ቤቱ ኣስቴር የውሃንስን ፊትንፊት ኣብዝረከባ ካሜራ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ።እቶም እሱራት ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ናይ ጥዕና ኩነታት ከምዝርከቡ ብምሕባር ማሕበረ ሰብ ዓለም ነዚ ተዕዚቡ ካብዚ ዝለዉዎ ንኽወጹ ክቲጣበቐሎም ጸዊዑ።

ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ሰዲግ ብዛዕባ ኣወጻጽእኡ ኪዛረብ ከሎ ብሓገዝ ኣባላት ሰውራዊ ኾሚቴታት ሊብያ ከም በዓል  ሰይፈል ኣስላም ጋዳፊን ኣካያዲ ናይቲ ሰውራዊ ኮሚቴታት መሓመድ ዓብዴንን ሱዳናዊ ጠበቓ ቃዚ ሱሌማንን ብዝተገብረሉ ሓያል ጻዕሪ ኣብ መወዳእታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተለቒቑ ንሱዳን ክጥረዝ ተሰማሚዖም።

ሰዲግ ክጥረዝ ከሎ ካብቲ ኣስታት $400,000 ዶላር ኣሜሪካ ዝገመት ገንዘብ ጭራም ከምዘይወሰደ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ነዚ ዲክታተራዊ ሰርዓት ከምቲ ንናጽነት ዝተቓለስክዎ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ኪቃለስ እየ ብምባል ምስ ጋዜጣ ኣልወጠን ዝገበሮ ቃለ ምልልስ ዛዚሙ።

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2820

Posted by on Aug 17 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net