ተቓወምቲ ውድባት ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዝምድናታተን የሕይላ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ሰነ 18, 2005
ካርቱም  

     ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን(ኤዲኪ) ኣብ መስርሕ ናይ ወጻኢ ዝምድናታቱ ዝገብሮ ዘሎ ንጥፈታት ዳይርክተር ማእከላይ ምብራቕ ዶክተር መሓመድ ዑስማን ኣገዳሲ ዑደቱ ኣብ ሃገራት ውሽመጥ ዛዚሙ ካብል ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ። ኣብ ዕደቱ ምስ ሰበ ስልጣን እተን ሃገራት ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፤ ብዛዕባ ምምስራት ሓድሽ ኪዳን ንኩለን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝሓቁፍ ከምእውን ብዛዕባ ኤርትራን ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃን መብርሂ ሂቡ።ዶክተር መሓመድ ዑስማን ምስ ተቐማጦ ኤርትራዊያን እተን ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ብዛዕባ ጻዕርታት ኤዲኪ መብርሂ ድሕሪ ምሃቡ ንመስርሕ ምምስራት ኮሚቴታት ወከልቲ ኤዲኪ ተከታቲሉ።ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ኣስታት 200,000 ኤርትራዊያን ዝርከቡ ኮይኖም ካብብኦም መብዛሓቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ፤ ኢማራት፤ ኩዌት፤ ቐጠርን ብሕሪንን ይርከቡ።ከምዝዝከር ኤርትራውያን ማሕበረኮም ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ልዑል ኣበርክቶ ዝነበሮም ኮይኖም ቐንዲ መወልቲ ሰውራ ኤርትራ ነይሮም።ኣብዚ ግዜውን ናቶም ኣበርክቶ ኣብ መስርሕ ለውጢ ንዲሞክራሲ ቐጻሊ እዩ ዘሎ።ምስቲ ኩሉ ቐይድታቶም በቲ ሰርዓት ዝግበረሎም ዘሎ ኣብ መረጋገጺ ወረቕት ኣበርክታኦም ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበዮ ዘሎ ምምስራት ዲሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ይቅጽልዎ ኣለዉ።

ምንጭታት ንጋልፍ ኢንፎሜሽን ከምዝሓበርዎ ጻውዒት ንምድጋፍ ቃልሲ ኣንጻር እቲ ስርዓት ንመርሓቲ እተን ሃገራት ከምዝተገበረ ተፈሊጡ።ክምእውን ኣብ ምትሕግጋዝ ጸጥታ እቲ ስርዓት ደው ካብላ፤ ንኤርትራዊያ ስደተኛታት ብግዴታ ንኸይመልሳ፤ ናይ ካልኦት ሃገራት ፓስፖርት ንዝሓዙ ኤርትራዊያን ኣብ ምሕዳስ መንበሪ ፍቓድ ክተሓጋገዛ ጻውዒት ተገይሩ።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ንሃገሮም ክምለሱ ምቹእ ባይታ ስለዘይብሎም፤ ግፍዒ በቲ ስርዓት ዝግበረሎም ዘሎን ግዱድ ውትህድርና፤ ኣብቲ ሃገር ፖለቲካውን ቁጠባውን ምምሕያሽ ብዘይምራእዩ፤ ፖልቲካዊ ብዝሑነት ዘይምህላዉ፤ እቲ ስርዓት ነታ ሃገር ናይ ውልቂ ንብረት ብምግባሩ እዩ።ስለዚ እተን ጎረባብቲ ሃገራት  ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት የአትየን ምስቶም ኤርትራዊያን ምትሕብባር ክቕጽላ ጻውዒት ተገይሩ።

ሃገራት ወሽመጥ ቐንዲ ደገፍትን መውልቲ ሰውራ ኤርትራ ምንባረን ይዝከር።ስዑድያ፤ኢማራት፣ ቐጠርን ኩዌትን ንሰውራ ኤርትራ ዓብይ ፋይናንሳዊ፤ ዲፕሎማሲያዊን ዜናውን ሓገዛት ምግባረን ይዝከር።መርሓቲ እተን ሃገራት ንመርሓቲ ሰውራ ኤርትራ ተቐቢሎም ከምዘአገዶምን ናይ ሃገሮም ማዕከናት ዜና ከም መስኮት ሰውራ ኤርትራ ክምዝገበራ ይዝክር።ድሕሪ ናጽነት ኤርትራውን ኣብ ትሕቲ ቅርጺን ናይ ምዕባለ ፕሮጀክታት ሓገዘን ይገብራ ኣለዋ።እንተኾነ ግን ብሰንኪ እቲ ስርዓት ዝክተሎ ዘሎ ግጉይ ፖሊስታቱ ኣንጻር ሃገራት ዓረብ ዝቐነዐ ዝምድናታት እናሓርፈፈ መጺኡ ።ንኣብነት ኣብ 1992 ኣንጻር ስዑዲ ዓረብ ብማዕከናት ዜና እቲ ሰርዓት ዝግበር ዝነበረ ጎስጓስ ከምእውን ምንጻግ ንዑደት ኣሚር ቱርኪ ቢንፋይሰል ሓላፊ ስለያ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኤርትራ እዩ።እቲ ስርዓት ረብሓታት ማሕበረ ኮም ኤርትራዊያን ኣብ ስዑዲ ዝነብሩ ኣብ ግምት ከይእተወ ጽልኢ ከምዝፍጠር ገይሩ።ከምእውን ምስ የመንን ሱዳንን ኣብዚ መወዳእታ ግዜ’ውን ምስ ኢትዮጵያ ብዝወልዖ ኩናት ኣስታት 60,000 ኤርትራዊያን ካብ ኢትዮጵያ ክምዝተሰጎጉ ይዝከር።እቲ ስርዓት ነቲ ዝቕጽሎ ዘሎ ግጉይ ፖሊስታቱ ምስ ሱዳንን የመንን ሃገራት ወሽመጥን ሓገዘን ንኤርትራ ከምዝጎድልን ደው ከምዝብልን ገይርዎ እዩ።ብሰንኪ ፖሊስታት እቲ ስርዓት ኤርትራ ንጽልቲ ሃገር ኣብዚ ዞባን ኣብ ዓለም ገይርዋ እዩ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2828

Posted by on Jun 18 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net