ብውሕሃ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደትኛታት ዝተሃብ ውሳነ ዛጊት ሰማዒ ኣይረኸበን

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ሰነ 21, 2005
ካርቱም  

    ሽዱስተ ህጻናትን ዒስራን ትሻዓተን ደቕንስትዮ ዝርከብዎም ሱሳ ኤርትራዊያን ካብ ሰነ 11, 2005  ብጥምየት ዝተሰነየ ዝጀመርዎ ተቓውሞ ይቅጽል ኣሎ ።ጠለብ ናይዞም ሰባት ብሰንኪ ጸጥታዊ ኩነታቶም ናብ ሳልሳይ ሃገር ክቅየረሎም ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ጽሕፈት ው.ሕ.ሃ. ሱዳን ይመላለሱ ምንባሮም ነቲ ብው.ሕ.ሃ. ሱዳን ኣብ ሱዳን ክትነብሩ ትኽእሉ ኢኹም ንዝብል ውሳነ ንምቕዋም ዝዓለመ እዩ።ኩነታት እዞም ሰባት ብጥምየት፤ ብጽምኢ፤ ኣብ ዶሮና ኣብቲ ዓብይ ጎደና ይዎሉን ይሓድሩን ከምዘለውን ካብቶም ቆልዑ ትሕቲ ሓደ ዓመት ከምዝርከብዎም ናይ ዓይኒ መሰካክር ሓቢሮም።ብዕለት 19,6, 2005 ምስ ልዕለዋይ ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኤርትራዊያን ኣብ ሱዳን ሚስተር ኣሌስ ተራኺቦም ምንባሮም ምንጭታት ንጋልፍ ኢንፊርሜስን ሰንተር ሓቢሮም።ኣብቲ ርክብ ሚስተር ኣሌስ ንስኻትኩም ኣብ ካርቱም ክትነብሩ ከምትኽእሉ ኣረጋጊጽና ኢና ድሕሪ ምባሉ ናብ ደገ ናይ ምኻድ ኣተሓሳሰባኹም ክትቕይሩን እንተዘይደኸምኩምን ይሓይሽ ክብል ነቲ ዝተውሃበ ውሳነ ከምዘይቕየር ኣረጋጊጹ።

ኣቦ መንበር ማሕበር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣብ ሱዳን ኣቶ ኣፈወርቂ ፎቶን ፍሉይ ኣማኻሪ ናይቲ ማሕበርን ዲፕሎማሰኛ ነበር ኣቶ ዓንደብርሃ ኣስቲፋኖስ ጉዳይ እቶም ኤርትራዊያን ንምክትታል ብዕለት 18, 06, 2005 ኣብቲ ቦታ ዑደት ገይሮም።ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር ኣቶ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ጉዳይ እዞም ሰባት ካብ መጀምርታ ኣትሒዙ ይከታተሎ ከምዘሎ ብምሕባር ነዚ ጉዳይ መፍትሒ ንምርካብ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት፤ ማሕበራትን ጉዱሳት ውልቐሰባትን ጽዑቕ ርክባት ይገብር ምህላዉ ንጋልፍ ኢንፎርሜሽን ስንተር ሓቢሩ።ኣቶ ዓንደብርሃን ብወገኑ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ንውሕስነት እዞም ሰባት ኣብ ካርቱም ብምንታይ መንገዲ ኣረጋጊጾም ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ እቲ ቤት ጽሕፈት ምስ ጉዳይ ስደተኛታት ሱዳን መንግስቲ ሱዳንን ከይተርዳደአ ናብዚ ውሳነ ምብጽሑ ዘይሓላፍነታዊ ውሳነ እዩ ክብል ኣስሚርሉ።

እቶም ኤርትራውያን ዝውዕልሉን ዝሓድርሉን ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሱዳን 42/9 ከምእውን 42/8 ጽቑጽረን መካይን ካብ ኢምባሲ ኤርትራ ሱዳን ኣብቲ ከባቢ ይንቐሳቐሳ ምህላወን ናዓይኒ መሰካክር ሓቢሮም።ካብቶም ኣብኡ ዘለዉ ሓደ ካብቲ ከባቢ ብዘይተፈልጡ ሰባት ከምዝተወሰደ ኣቶ ዓንደብርሃን ካብቶም ሰባት ብዝረኸቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እዚ ተግባር መርኣያ ሓደ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዜጋታት ኤርትራዊያን ዘይተገዳስነት ኮይኑ ኩሎም ኤርትራዊያን ብፍላይ ኣብ ደገ ዝርከቡ ብው.ሕ.ሃ. ኣቃልቦ ስኢኑ ዘሎ መሰል ስደተኛታት ኤርትራዊያን ብሓር ክቃለሱ ይግባእ ክብሉ ተዓዘብቲ ገሊጾም።

እዞም ሱሳ ኤርትራዊያን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2004 ካብ ሊብያ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ፈተነ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ካብቲ ቐዲሙ ዝራኣዮም ዝነበረ ኣሰቓቒን ፍርዲ ዘይብሉን ቤት ማእሰርቲ እቲ ሰርዓት ንምድሓን ንፋሪት ሊብያ ብሓይሊ ኣብ ካርቱም ካምትዓልብ ከምዝገበሩ ይዝከር።ብዘይካ እቶም ሱሳ ሰባት ካልኦት ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰባት ክሳብ ሕጂ ኣብ ቐይዲ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2844

Posted by on Jun 21 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net