ኤርትራ ብሰንኪ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ እተካይዶ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣልኮላዊ መስተ ሚሊዮናት ዶላራት ትከስር

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ሰነ 23, 2005
ካርቱም  

ጽዕርታታ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምእካብ ወፈያ ካብ ተቐማጦ ስዑዲ ዓረብ ፈሽሉ።ብመገዲ ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑድያ ዝእከብ ዝነበር ዓመታዊ ገዚፍ ገንዘብ ብስንኪ ዋሕዲ ኣወፈይቲ እናቆንቆለ ከምዝመጸ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።ናይዚ ቐንዲ ምኽንያት ዘይፍትሓዊ ፖሊሲ እቲ ስርዓት ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።ብምኽንያት 24 ግንቦት ልኡኽ ናይቲ ስርዓት ኣቶ ሓጎስ ከሻ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ቁጠባ ህግደፍን ኣክንዲ ነቲ ብምውላዕ ኩናት ዳርፉር ዝኽሰስ ኣቶ ዓብደላ ጃብር ከምዝተሳተፈ ይፍለጥ።ኣቶ ሓጎስ ከሻ ሕቡእ ፋይል ገንዘብ ናይቲ ስርዓት ኣብ ዓለማዊ ባንክታት ከምዘካይዶ ገለ ወገናት ይገልጹ።ዕላማ ሓጎስ ከሻ ብምኽንያት 24 ግንቦት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስታፍ፡ ገዚፍ ወፈያ ንምእካብ ምዃኑ ምንጭታት ሓቢሮም።ዑደት ኣቶ ሓጎስ ትጽቢት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ካብ ሰበ ስልጣን ስዕዲ ዓረብ ከምዝነበሮ ንሱ ድማ ድሕሪ  ስልጣናት እቲ ስርዓት ምስ ሰበ ስልጣን  ስዑዲ ዓረብ ክገብርዎ ዝጸንሑ ርክባት እዩ።እዚ ሓገዝ ነቲ ስርዓት ኣጋጢምዎ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምስጋር ፋይናንሳዊ ሓገዛት ንምርካብ ዝዓለመ ነይሩ።

ዕዳ ስርዓት ኣስመራ ልዕሊ ሰላሳ ሚልዮን ዶላር በጹሑ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።ክምዝዝከር ቆንሲላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ጅዳ ወጻኢታት ናይ ዲፕሊማሲያዊ ልኡኻት ንዝሓለፈ ኣርባዓተ ዓመት ትሽፍን ከምዝነበረት ይፍለጥ።ኣብዚ መወዳእታ ግዜ ግን ሕጽረት ባጀት ከምዘለዋን ነቲ ወጻኢታት ከምዘይትሽፍን እቲ ዝብጽሓን ዜና ሓቢሩ።ነዚ ቐንዲ ምኽንያት ምንካይ ቁጽሪ ኣወፈይቲን በቲ ቆንሲል ዝካየድ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ንግዲ ምቁራጹ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብቆንሲላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ጅዳ ዝኣትዉ ዝነበረ ኣልኮላዊ መስተ (ፎድካ) ኣብ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ብመንግስቲ ስዑዲ ክምዝተታሓዘ ይዝከር።ብሰሚራ ኖቭ ዝፍለጥ ዝነበረ መስተ ብመገዲ ቆንሲላዊ ጉዳያት ጅዳ ናብ ሱዕዲ ድሕሪ ምእታዉ ኣብ ዓበይቲ መኽዘናት ድሕሪ ምኽዛኑ ኣብ ከተማታት ስዑዲ ይዝርጋሕ ከምዝነበር ይፍለጥ።ብምክትታል ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ መኽዘን ብዝተገበረ ተፍትሽ ኣስታት ስለስተ ሚሊዮን ሊያድ ስዑዲያ ዝግምት ኣልኮላዊ መስተ ከምዝተተሓዘን ኣብቲ ቦታ ሓደ ዲፕሎማሰኛ ናይቲ ስርዓት ከምተታሓዘ ምንጭታት ሓቢሮም።እቲ ስርዓት ካብቲ ክሲ ንምውጻእ ነቲ ዲፕሎማሰኛ ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣሎው ብምባ ነቲ ክሲ ኣስኪምዎ።ኣብ ከተማ ጥኢፍ ኣብ ናይ ሳይካትሪስት ሆስፒታል ድሕሪ ምሕካሙ ናብ ኣስመራ ከምዝተሰሃበ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ስርዓት ኣስመራ ድማ ኣብ ኣባላት ቆንስላዊ ጉዳያት ጅዳ ምቅይያራት ብምግባር ሓደስቲ ኣባላት ንግዲ መስተ ዘካይዱ ከምዝመዘዘ ዝበጽሓን ዜና ሓቢሩ።እቲ ስርዓት ቐጥታዊ ምሕደራ ዘይሕጋዊ ንግዲ መስተ ኣብ ሃገራት ሱዳን፤ የመንን ስዑድያን ከምዘካይድ ይፍለጥ።እንተኾነ ግን መንግስታት ሱዳን የመንን ስዑድያን  ብዝገብርኦ ዘለዋ ምክትታል ነቲ ናይቲ ስርዓት ዘይሕጋዊ ንግዲ፡ ፋይናንሳዊ ጸገም ከምዘጋተሞን ዕዳ እናወሰከ ይመጽእ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።ከምእውን ዘይሕጋዊ ንግዲ ናይቲ ስርዓት ኣብዚ መውዳእታ ግዜ ኣብ ማእከል ባሕሪ ብዝተገበር ምክትታል ናብ ስዑድን የመንን ዓብይ ቁጽሪ ኣልኮላዊ መስተ ንምእታው ዝተገበረ ፈተነ ከምዝተታሓዘ ይፍለጥ።እዚ ድማ ዓብይ ቁጣባዊ ማህሰይቲ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ።ክምዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ስርዓት ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ምዝርጋሕ ዘይሕጋዊ ኣልኮላዊ መስተ ይነጥፉ ክምዝነበሩ ይዝከር።

ካብ 1992-94 እቲ ስርዓት ካብዚ ብዘይሕጋዊ ንግዲ መስተ ኣስታት ዒስራ ሚልዮን ዶላር ዝግምት ዓመታዊ እቶት ከምዝነበሮ ይዝከር።እንተኾነ ግን ጽልዋታት ኩናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፤ ዘይሰላምን ዘይኩናትን ሃዋህዉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ከምእውን ምቅናስ ዝተፈላለዩ ኣልኮላዊ ንግዲ፡ ብኡ መጠን ድማ ኢንዳስቱራዊ ንጥፈታት እቲ ስርዓት ነቲ ዘይእዉጅ እገዳ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ብሕማቕ ከምጽተጸለወ ይፍለጥ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2854

Posted by on Jun 23 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net