News

ስርዓት ኣስመራ ናይቶም ዝሃድሙ ዘለዉ መንእሰያት ወለዲ ይኣስር

ጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር
ሓምለ 23, 2005
ካርቱም

ስርዓት ኣስመራ ንወለዲ እቶም ካብ ግፍዒ እቲ ስርዓት ዝሃድሙ ዝለዉ መንእሰያት ክኣስር ጀሚሩ።እዚ ከምዚ እሉ ከሎ ልዕሊ ፍርቂ ዝኾነ ተማሃሮ 2ይ ደረጃ ኣብ ዞባ ማእከልን ደቡብን ናብ ማዕስከር ሳዋ ንምውራድ ብምቕዋሞም ከምዝተእሰሩ ምንጭታት ንጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር ሓቢሮም።

ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር ዜና ኣመሓዳሪ ዘቦ ደቡቡ ኣቶ ሙስጠፋ ኑርሑሰን፡ ንህዝቢ ኣኪቡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ዝኾነ ጋሻ ምስ ዝመጽእ ንምምሕዳር ከባቢ ወይ መደበር ፖሊስ ክሕብር ከምዝግበኦም ኣፍልጡ።እዚ ዝኸውን ዘሎ በቲ ዝተረእየ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ሱዳን፡ መንእሰያት ስግኣት ስለዝሓደሮ ብብዝሕ ናብ ኢትዮጵያ ይኸዱ ብምህላዎም እዩ።

እንተኾነ ግን ፖለቲካዊ ለውጢ ሱዳን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ብዝያደ ንኤርትራዊያን ምቹእ ከምዝኾን ሓላፊ ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ገሊጹ።ንሱ ነዚ ዝገለጸ ብዜና ማእከል ኣዶሊስ ሰሙናዊ ዝዳለው መደብ ንኤርትራ ዘተኮረ ኣብ ጋዜጣ ኣልወጠን ኣብ ዘገበሮ ቃለ መሕትት እዩ።ከም’ውን ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኤዲኪ ኣምባሳደር መሓሙድኑር ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ኣመልኪቱ ሰፍሕ መብርሂ ሂቡ።ኣብ መግለጺኡ እቶም ነፋሪት ጨዊኹም ተባሂሎም ዝተእሰሩ 15 ኤርትራዊያን ንኽፍትሑ ጻወዒት ብምግባር ኣብ ቤት ማእሰርቲ እቲ ስርዓት ዝርከቡ ብG-15 ዝፍለጡ መርሓቲ ናይ ለውጢ ንኽፍትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቅጢ ንኽገብር ጻውዒት ገይሩ።

 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top