መንግስቲ ሱዳን ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ ኣብ ውድብ ው.ሕ.ሃ ክሲ ተቕርብ
ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር |
ሰነ 27, 2005 |
ካርቱም |
መንግስቲ ሱዳን ነቲ ኤርትራ ትገብር ዘላ ዘይምርግጋእ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ብምዕጣቅን ምድጋፍን ወተሃደራዊ ምንቕስቃስ ናይ ክሲ ፋይል ንባቶ ጸጥታ ከተእትው ምዃና ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣልፋሕ ኤርዋ ሎሚ ንግሆ ኣፍሊጡ ክብል ዝበጽሓን ዜና ሓቢሩ።እቲ ኣምባሳደር፡ ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን ነቲ ወግዓዊ ክሲ ኣንጻር ኤርትራ ብዛዕባ እቲ ተገብሮ ዘላ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ናብ ምርግጋእ ሰላም ሱዳን ዝቐነዐ ከቅርብ ምዃኑ ገሊጹ።ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሱዳን ነቲ ክሲ ንሚስተር ኮፊ ኣናን ዋና ጽሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንኣቦ መንበር ባይቶ ጸጥታ ኣብ ናይ ሎሚ ርክቡ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ብኣቆጻጽራ ስዓት ሱዳን ከረክብ ምዃኑ ኣምባሳደር ኤርዋ ሓቢሩ።
መንግስቲ ሱዳን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝተራእየ ወታሃደራዊ ስርሒታት ኤርትራ ነቲ ብግንባር ምብራቕ ዝፍለጥ ውተሃደራዊ ምንቅስቃስ ኣብ ኩሉ መዳይ ትሕግዝ ብምባል ከምዝኸሰሰት ይፍለጥ።
ሚኒስተር ውጻኢ ጉዳይ ሱዳን ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዋሽንግቶን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግላጺ ንዞባዊያንን ኣህጉራዊያንን ኣካላት ብዝዓባ እቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራትን ምትእትታው ስርዓት ኣስመራ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከምዝሓበረት ኣስሚርሉ ከምዝነበረ ይዝከር።
ሎሚ ማዕከናት ዜና ሱዳን፡ ኣምባሳድር ሱዳን ኣብ ው.ሕ.ሃ.፡ ሱዳን ኣብዚ ግዜ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ስርዓት ኣስመራ ስጉምቲ ከወስድ ትጽቢት ኣለዋ ከምዝበለ ኣመሓላሊፈን።
እቲ ኣምባሰደር ግልጺ ባህሪያት ስርዓት ኣስመራ ኣንጻር ተበግሶ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሱዳንን ኣብቲ ዞባ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ንምስፋን ሰላም እትዘርግን ብሕጊ ዘይትቕየድ ሃገር ክብል ገሊጽዋ።በንጻሩ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ጸገማትን ሽግራትን ህዝቢ ኤርትራ ከምእውን ኣብ ምክባር ስብኣዊ መሰላት ከተትኩር ይግባእ ክብል ኣስሚርሉ።
እዚ ኩሉ ምዕባለ ዝመጽእ ዘሎ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝተስራእየ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብዑጡቃት ተቓወምቲ ሱዳን ካብ መሬት ኤርትራ ዝብገሱ፡ ሱዳን ነዞም ተቓወምቲ ኤርትራ ትድግፍ ኢላ ከምዝከሰሰት ይዝከር።
Short URL: https://english.farajat.net/?p=2884