ኣዋጅ ምቓም ሓድሽ ሰልፊ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር
ነሓስ,29,2005
 ካርቱም

 

ኣልናህዳ ዝበሃል ሓድሽ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ቃልሱ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣዊጁ።እዚ ሰልፊ ከምተወሳኺ ሓይሊ ኣብ ሓይልታት ተቓወምቲ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ ዝቃለሱ ዘለዉ ሃገራዊ ተቓዋሚ ሓይሊ እዩ።ጋኢሰ ቅዳሕ ናይ መጀመርያ መግለጺ ናይዚ ሰልፊ ካብዝረኸበቶ፡- ስርዓት ህግደፍ ን14 ዓመታት ንድሌትን ተስፋን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕባለ ሃገር ዕንቅፋት ክፈጥር ጸኒሑ፡ ብተወሳኺ ኣቲ ስርዓት ብዝኽተሎ ዘሎ ናይ ውልቀ መላኽነት ኣገዛዝኣ ንኹለን ሃገራውያን ሓይልታት ከምዝወገነ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣዋጅ ከምዝበሎ ” እዚ ውድብና ከምተሓባባሪ ሓይሊ ምስ ኩለን ተቓወምቲ ውድባት ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ  ኮይኑ ምጅማር ፖለቲካዊ ቃልስና ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ስጋብ ዓወት ዝእውጅ እዩ።” ተወሳኺ መግለጺኡ ከምዘረጋገጾ እቲ ውደብ ምስ ኩለን ተቓወምቲ ውድባት ንምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ዝቃለሳን ንመሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዝጣበቓን ከምዝሰማማዕ ብምግላጽ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ኣረጋጊጹ።ኣብ መወዳእታ እዚ ሓድሽ ሰልፊ ምእንቲ ሓባራዊን ሃገራዊን ቃልሲ ንዲሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ሃገር ንምህናጽ ክሰርሕ ምኻኑ ኣዊጁ ኣሎ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2915

Posted by on Aug 29 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net