ኣይግድሶ እቲ ንዲክታይተር ኢሳያስ ዘገድሶ ዕድመ ስልጣኑ ምንዋሕ ጥራሕ ኢዩ።

ህዝቢ ኤረትራ ሕሰብ ተማራመር ድክተይተር ስርዓት ኢሳያስ በብዝቦሎ ኣሚናን ተገዚእናን እንድሕሪ ኪድና እታ ኤርትራ ትብል ስም እውን ብዝተፋላለየ ግደ ውዲት  ስርዓት ኢሳያስ ኴና ንኹረስሙ ዘርእና ከጥፋኣና ምኻኑ ምግንዛብ ከድልየና ኢዩ ኣቶ ዓሊ ሰዒድ ዓብደላ ቅድሚ ሙማቱ ከም ናይ ወጻኢ ሚንስተር መጠን ቅድሚ ሰለስተ ምዓልቲ ምስ ሉኡኻት ወጻእተኛታት ምስ ሙሉእ ጥዕኑኡ ኮፍ ኣቢሉ ከዛራርቦም ከሎ ኣብ ቲ ተለቪዥን ናይቲ ስርዓት ኢሳያስ ዓለም ሪኢዎ ኢዩ።

    ሕጂ ኣብዚ ንመልከት ስርዓት ኢሳያስ ንህዝቢ በታ እሱ ዝቋዛጸረራ ተለቪዥኑ ገይሩ ኣቶ ዓሊ ሰዒድ ዓብደላ ከም ዝመተ ርህራሄን ድንጋጼን ጓህን  መግለጺ ዘይብሉ ጥራሕ ስእሊ መዋቲ ኣቶ ዓሊ ሰዒድ ዓብደላ  ማሕማሕ ኣናበለ  እታ ተለቪዥን ናይቲ  ስርዓት ክኣ ናይ ወጻኢ ግዳይ ምኒስተር ዝ ኣክል ኣጥፊኦም ድቕ ዝበለ ጓይላታትን ድራማታትን ከሪኡ ምውዓሎም ብሞት ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ኣቶ ዓሊ ሰዒድ ዓብደላ ናይ ደስደስ (ሰለብረይት) ዝገብሩ ከም ዘለው ትርጉሙ ድስሕቶ ኤርትራዊ እንተልዩ ዕሽነት ጥራሕ እዩ።

ኣቶ ዓሊ ሰዒድ ዓብደላ ብሕማም መይቱ እንተ ዝኾውን እቲ መንግስቲ ስርዓት ኢሳያስ ከም ናይ ቀረባ መሳርሕቶም ኣብ ክንዲ ብተለቪዥን ጓይላን ዳንኬራን ድራማታትን ንታሪኽ ህወቱን ንጥፈታቱን እናዘከሩ ፉሉይ ናይ ምዓልቲ ሓዘኑ ምርኢት ዘይ ግበረሉ እቲ ምክንያት ኩሉ ኤርትራዊ ነብሱ ሓቲቱ መልሲ ትስእነሉ ኢለ ኣይግምትን።

ህዝቢ ኤርትራ  ኣይትታዓመት ቃል ኢሳያስ ቃል ሃዋርያት ኣይኮነን

ንኑጹሓት ኤርትራውያን ሕድሪ ስዉኣትና ይተግበር ኢሎም ዝተቓወሙ ወያነ፥ ሓሙሻይ መስርዕ፥ መጃህድን፥ከዳዓት እናበለ ብሓሶት ኣጸሊሙ ንኑጹሃት ዚጋታትና ካብ ሕብረተሰቦም ክንጸሉ ዝገበረ ገበነኛ ስርዓት ቀልጢፍካ ብደይ ውዓል ሕደር ኣለሊኻ ሓዲኡ እንተዘይ ተገብረ ብጃምላዊ ህልቀትን በብሓደን ንኹረስምና ከጥፍእ ምዃኑ ንፍለጥ።

     ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ኣቶ ዓሊ ሰዒድ ዓብደላ ንኣቶ ሰለሙን ወልደማርያም ዝረኸበት ኢድ ረኪባቶ ዝብል ኣብ ቡዙሓት የእምሮ ይሓድር ኣሎ ሕጂ ውን እቲ ስርዓት ንህዝቢ ንኸምስል ጉዳይ ቀብሪ ስነስርዓት ኣቶ ዓሊ ሰዒድ ዓብደላ እቲስርዓት ንገበኑ ንሙጉልባብ ከማዕርጎ ክፍትን ምኻኑ ኮሎ ጌና ዝተፈልጠ ኢዩ እዚ ኽኣ ነቶም ንኣረሚናዊ ተግባሩን ንውጹእ ሓሶቱን ከም ሃዋርያት ገይሮም ዝኣምኑዎ ድኣ የታሉሎም እምበር ነቶም ከም ጋንየን፥ሸይጣን፥ስርዓቱን፥ተግባሩን፥ በለጹን ዝፈልጡ ከታልል ማለት ዘበት።

         ካብ ኣረሚናዊ ተግባራት ህግደፍ ዝፈልጥ   


Short URL: https://english.farajat.net/?p=2200

Posted by on Aug 29 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net