News

ፕረስደንት ዩኒቨርሲት ኣስመራ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ናብ ኣመሪካ ከይዱ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር(ጋኢሰ)
ፍ.ገብረሂወት
ካርቱም
ዕለት መጋቢት 14,2005

ኣብ ካርቱም እትሕተም ጋዜጣ ኣልሓያት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታማ ፕረስደንት ዩኒቨርሲት ኣስመራ ዶክተር ወልደኣብ ኢሳቕ ስርሑን ሃገሩ ገዲፉ ናብ ኣመሪካ ከምዝኸደ ጽሒፋ።ዶክተር ወልደኣብ ኢሳቕ ካብቶም ምስ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወቂ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ እዩ ድሕሪ ምባል ነቲ ጠንቒ ኣቓሊዓ።ኣቦ መንበር ናይ ህግደፍ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንኮለኔል እዝራ ኣዛዚ መደበር ወታደራዊ ታዕሊም ሳዋ ዝነበር ክም ሓላፊ ኮሌጅ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ማይ ነፍሒ ኮይኑ ክሰርሕ ምስመደቦ ዶክተር ወልደኣብ ኢሳቕ ነቲ ውሳነ ከምዘይተቐበሎ ተቓወምኡ ምግላጹ እዩ።

ዶክተር ወልደኣብ ኢሳቕ ፍሉጥ ናይ ኬሚስትሪ ምሁር ኤርትራዊ እዩ።ንሱ ኣብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ከም ናይ ኬሚስትሪ መምህር ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርስቲ ዝሰረሐ እዩ። ንሱ ድሕሪ ናጽነት በቲ ዘለዎ ፍልጠትን ተሞክሮን ኣብ ምህናጽ ሃገር እጃሞም ከበርክቱ ካብ ዝተመለሱ ምሁራት ኤርትራዊያን ሓደ እዩ። ምኻድ ዶክተር ወልደኣብ ኢሳቕ እቲ ስርዓት ርእሰ ተኣማንነት ኣጥፊኡ ይገማማዕ ከምዘሎ ዘርእይ እዩ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top