ፕረስደንት ዩኒቨርሲት ኣስመራ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ናብ ኣመሪካ ከይዱ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር(ጋኢሰ)
ፍ.ገብረሂወት
ካርቱም
ዕለት መጋቢት 14,2005

ኣብ ካርቱም እትሕተም ጋዜጣ ኣልሓያት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታማ ፕረስደንት ዩኒቨርሲት ኣስመራ ዶክተር ወልደኣብ ኢሳቕ ስርሑን ሃገሩ ገዲፉ ናብ ኣመሪካ ከምዝኸደ ጽሒፋ።ዶክተር ወልደኣብ ኢሳቕ ካብቶም ምስ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወቂ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ እዩ ድሕሪ ምባል ነቲ ጠንቒ ኣቓሊዓ።ኣቦ መንበር ናይ ህግደፍ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንኮለኔል እዝራ ኣዛዚ መደበር ወታደራዊ ታዕሊም ሳዋ ዝነበር ክም ሓላፊ ኮሌጅ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ማይ ነፍሒ ኮይኑ ክሰርሕ ምስመደቦ ዶክተር ወልደኣብ ኢሳቕ ነቲ ውሳነ ከምዘይተቐበሎ ተቓወምኡ ምግላጹ እዩ።

ዶክተር ወልደኣብ ኢሳቕ ፍሉጥ ናይ ኬሚስትሪ ምሁር ኤርትራዊ እዩ።ንሱ ኣብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ከም ናይ ኬሚስትሪ መምህር ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርስቲ ዝሰረሐ እዩ። ንሱ ድሕሪ ናጽነት በቲ ዘለዎ ፍልጠትን ተሞክሮን ኣብ ምህናጽ ሃገር እጃሞም ከበርክቱ ካብ ዝተመለሱ ምሁራት ኤርትራዊያን ሓደ እዩ። ምኻድ ዶክተር ወልደኣብ ኢሳቕ እቲ ስርዓት ርእሰ ተኣማንነት ኣጥፊኡ ይገማማዕ ከምዘሎ ዘርእይ እዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2995

Posted by on Mar 14 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net