News

ዋና ጽሓፊ ማሕበር ሓፈሻዊ ሰርሓተኛታት ኤርትራዊያን: ስርዓት ህግደፍ ኣፍራይ ሓይሊ ኤርትራ በቲኑ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር(ጋኢሰ)
ካርቱም

መጋቢት15,2005

ዋና ጽሓፊ ማሕበር ሓፈሻዊ ሰርሓተኛታት ኤርትራዊያን ኣቶ መሓመድዓሊ ፈቕሒ ነቲ ኣዕናዊ ፈተነታት ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ነቒፉ።ኣቶ መሓመድዓሊ ፈቕሒ ኣካይዳን ኣቐራርባን ስርዓት ህግደፍ ባህሊ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሱዳናዊያን ዘለዎም ዝምድና ዘየንጸባርቕ እዩ ኢሉ።”ክሊቲኦም ህዝብታት ብኩሉ ሸነኻቱ ታሪኻዊ ምትእስሳር ዘለዎም እዩ” ክብል ነቲ ነባርን ጥቡቕን ዝምድና ኣስሚርሉ።

     ኣቶ መሓመድዓሊ ፈቕሒ ትማሊ ምስ ጋዜጣ ኣልሓያት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ማሕበር ሓፈሻዊ ሰርሓተኛታት ኤርትራዊያን መርገጺኡ ኣንጻር እቲ ስርዓት ብምንጻር ኣብ ጎኒ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ደው ከምዝበለ ኣነጺሩ።ንሱ ስርዓት ኣስመራ ጥንቂ ናይዘይምርግጋእ ጎራብትና ከምዝኾነ ሓቢሩ።እቲ ስርዓት ብኹሉ ሽነኻt ኩናት ምውልዑ ንኤርትራን ህዝባን ከምዘይርብሕ ብምጥቓስ ማሕበር ሓፈሻዊ ሰርሓተኛታት ኤርትራዊያን ነቲ ኣዕናዊ ፖሊስታት እቲ ስርዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ስርሓተኛታት የጋልጽ ምህላዉ ሓቢሩ።

     ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ርክባት ንጺልዋ ኣሎ ድሕሪ ምባል እቲ ስርዓት ሃዋሁው ሽቕለት ኣልቦነት ንኽፍጠርን እቲ ዝሰርሕ ሓይሊ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ካልእ ሃገራት ብፍላይ ናብ ጎራብቲ ሃገራት ተበታቲኑ ምህላዉ ሓቢሩ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top