መስራትን ሓድነታውን ጉባኤ ሰለስተ ውድባት

እዚ ካብ ረቡዕ 26.1.2005 ክሳብ 30.1.2005 ህዝብና ንምድሓን ንቃለስ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ መስራትን ሓድነታውን ጉባኤ ሰለስተ ውድባት (ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ, ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከምኡውን ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ) ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ተጀሚሩ።

ኣብዚ ቀዳማይ መዓልቲ ጉባኤ ወኪል መንግስቲ ሱዳን, ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ, ብርክት ዝበሉ ወከልቲ ማዕከናት ዜና, ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን, ወከልቲ ብርክት ዝበላ ተቓወሚ ውድባት ከምኡውን ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝመጹ ወከልቲ እዘን ዝሰምራ ዘለዋ ሰለስተ ውድባት ኣብ ዝተረኽብሉ ብኽብ ዝበለ መዓርግ ተኸፊቱ።

ኣቦ ወንበራት እዘን ዝሰምራ ዘለዋ ውድባት ተሞክሮ ውድባቶም ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ሃገርና መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝጽበየና ዘሎ ዕማማት ድሕሪ ምግላጽ ቃል መልእኽቶም ደምዲሞም።

ውጽኢት ጉባኤ ብቐጻሊ ክሕበር ምኻኑ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ክንሕበር ንደሊ

ጉጅለ ክፍሊ ዜና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3025

Posted by on Jan 26 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net