ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽን አብ ፓልቶክ …!

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ቀጺልና ደጊም፡ ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ  ንሰንበት ዕለት 20.02.2011 ዓ.ም.ፈ.፡

ንኣብ መብዛሕትኡ ዞባታት ዓለምና ንዝርከቡ ክቡራት ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣጋይሽና  ኮይኖም  ከምስዩን ኣገዳሲ ሃበረታታት ክህቡን ምስ ህዝቢ ክዛተዩን ታዓዲሞም ኣለዉ::  እዚ ገዛ (Eritrea Etuq Menisey Eritrea niDimokrasin Fithin) ብእዋኑ ክኽፈት እዩ: ዘተ ምስ ኣጋይሽና ዝጅመረሉ እዋን ከአ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 20፡00 ብናይ በርሊን (Berlin)አቖጻጽራ ሰዓት 8:00 PM ክኸውን እዩ።

ኩሉኹም ብሃገርኩምን ብህዝብኹምን እትግደሱ: ሓንቲ ዲሞክራስያዊትን: ብስርዓተ ሕጊ እትግዛእ ኤርትራ ንምህናጽ እትትምነዩን እትቃለሱን: ኣብዚ ኣገዳስን ታሪኻዊን ዕለት ምሳና ሓቢርኩም ከተምስዩ ብኽብሪ ንዕድም።

ብደሓን ምጽኡ/ኣ …!!!

ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሕን ደሞክራሲያዊ  ለውጥን፡ ንኽነግስ ካብ እንመያየጥን እንዛተን ግዱሳት

ኤርትራውያን፤ ደቂ ሃገር።

etuqmenesey@gmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3610

Posted by on Feb 18 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net