News

ዕዉት ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኣብ ከተማ ቻርሎት

ብዕለት 02/26/2011 ኣቶ ተኽላይ ኣብርሃ፣ ኣብ ከተማ ቻርሎትን  ከባቢኣን (ኣመሪካ ሰሜን ካሮሊና) ንዝቕመጡ ኤርትራውያን፣ ብዛዕባ መደባት ሃገራዊ ጉባኤ፣ ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣቶ ተኽላይ ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ መግለጺ፣ ብዛዕባ ተመኩሮ ናይ’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ዋዕላ ብዝርዝር ሓቢሩ። ከምኡ’ውን ኣባላት ኮሚሽን በቲ ዋዕላ ዝተዋህቦም ሓደራ ኣመልኪቱ፣ ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ንምብጻሕ፣ ብግልጽነት ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍ ናይ ዘተ መኣዲ ንምፍጣር፣ ክሳብ ሎሚ ዝተገብረ ጻዕሪ ገምጊሙ። ኣብ ዘረብኡ ድማ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ጻዕሪ፣ ከም’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብ እዋኑ ይሳለጥ ምህላዉ ኣስሚሩሉ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝወዓሉ ዜጋታት ድማ፣ ምስ ኣቶ ተኽላይን ንሓድሕዶምን፣ ምርድዳእ ዝዓሰሎ ኣዝዩ ንኡድ ናይ ሕቶን መልስን ዘተ ኣካይዶም። ኣብ መወዳእታ ድማ መስርሕ ምዕባለታት ናይ ሃገራዊ ጉባኤ ትከታተል ኮሚቴ መሪጾም። እቶም ዝተመርጹ ኣባላት ከኣ ናይ ስራሕ ዕማም ተኸፋፊሎም፣ ሰማእታት ብዝዝክር ናይ ሕልና ጸሎት ኣኼብኦም ዓጽዮም።

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ

ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ከተማ ቻርሎት ፣

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top