ዕዉት ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኣብ ከተማ ቻርሎት

ብዕለት 02/26/2011 ኣቶ ተኽላይ ኣብርሃ፣ ኣብ ከተማ ቻርሎትን  ከባቢኣን (ኣመሪካ ሰሜን ካሮሊና) ንዝቕመጡ ኤርትራውያን፣ ብዛዕባ መደባት ሃገራዊ ጉባኤ፣ ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣቶ ተኽላይ ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ መግለጺ፣ ብዛዕባ ተመኩሮ ናይ’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ዋዕላ ብዝርዝር ሓቢሩ። ከምኡ’ውን ኣባላት ኮሚሽን በቲ ዋዕላ ዝተዋህቦም ሓደራ ኣመልኪቱ፣ ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ንምብጻሕ፣ ብግልጽነት ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍ ናይ ዘተ መኣዲ ንምፍጣር፣ ክሳብ ሎሚ ዝተገብረ ጻዕሪ ገምጊሙ። ኣብ ዘረብኡ ድማ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ጻዕሪ፣ ከም’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብ እዋኑ ይሳለጥ ምህላዉ ኣስሚሩሉ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝወዓሉ ዜጋታት ድማ፣ ምስ ኣቶ ተኽላይን ንሓድሕዶምን፣ ምርድዳእ ዝዓሰሎ ኣዝዩ ንኡድ ናይ ሕቶን መልስን ዘተ ኣካይዶም። ኣብ መወዳእታ ድማ መስርሕ ምዕባለታት ናይ ሃገራዊ ጉባኤ ትከታተል ኮሚቴ መሪጾም። እቶም ዝተመርጹ ኣባላት ከኣ ናይ ስራሕ ዕማም ተኸፋፊሎም፣ ሰማእታት ብዝዝክር ናይ ሕልና ጸሎት ኣኼብኦም ዓጽዮም።

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ

ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ከተማ ቻርሎት ፣

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3717

Posted by on Mar 4 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net