ጸብጻብ 4ይ መዓልቲ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዓርቢ 18/03/2011 ‘ውን ኣባላት ኮሚሽን ነቲ ብፈጻሚት ኣካል ኮሚሽን ተዳሊዩ ዝቐረበ ሰነድ ደምዳሚ ውጽኢት መማረጺታት ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንክትዕን ምይይጥን ወሪዱ ውዒሉ። ኣብዚ ኣርእስቲ ኩሎም ተሳተፍቲ እዚ ስሩዕ ካልኣይ ኣኼባ ዝኾኑ ኣባላት ኮሚሽን ነቲ መድረኻውን ገድላውን መሳርሒታት ምርግጋጽ እስትራተጂ ኮሚሽን፣ ንመድራኻትን ተመክሮን ኣረዳድኣ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ እቲ ሰነድ ኣብ ዝምልከት ሓባራዊ ኣረዳድኣ ሒዞም ወጺኦም። ካልእ ከኣ ብርእይቶ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራዊ መዳይ ትጽቢት ዝገብርሉ ደምዳሚ ውጽኢት መማረጺታት እንታይ ክኸውን ይኽእል ወይ ምዃኑ ሓሳባትን ርእይቶታትን ተለዋዊጦም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ ብዓወት ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ጽባሕ ካብ ንግሆ ጀሚሩ ምሉእ መዓልቲ ክሳብ ምሸት ክቕጽል ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽር።

በዚ ኣጋጣሚ ብዛዓባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ኮሚሽን ዝተመያየጠሎም ሰነዳትን ጉዳያትን ውሳነታትን ዝሽፍን ደምዳሚ ዝርዝራዊ ኣዋጅ ክወጽእ ኢዩ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቀትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

 

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን – ካብ ኣዳራሽ ኣኼባ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

18 መጋቢት 2011

www.encdc.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3880

Posted by on Mar 20 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net