ኣውስትራልያ መልበርን ሎሚ’ውን ከምቀደምና

ኣብ ሓደ ግዜን ንተመሳሳሊ ዕላማን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ዝረከቡ ኤርትራውያን ሰለማዊ ሰልፊ ንከካይዱ ዝወጸ ዝተወሃሃደ መደብ ኣብ ኣውስትራልያ መልበርን’ውን ትማሊ ቀዳም ዕለት 26/3/2011 ብውዕዉዕ መንፈስ ተኻይዱ።

ኣብዚ ብብዝሒ መኣሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝተሳተፍዎ ሓያል ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ትሕቲ፡ ህግደፍ ይደምሰስ ፍትሒ ይንገስ፡ እሱራትና ይፈትሑ፡ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ቆላሕታ ይገበረሎም፡ ዝብሉ ጭርሖታት ብምልዓል ካብ መልበርን ላይብረሪ ተበጊሶም፡ ብቲ ቀንዲ ጎደናታት ከተማ መልበርን ማለት ስዋንስተንን ኮለንን ናብ ፓርልያመንት ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣካይዶም። ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ዘዳለወቶ ጽሑፋትን ፐትሽንን ድማ ንወኪል ፓርላማ ኣቕሪቦም።

እዚ ብዓይነቱን ተሳታፍነቱን ፍሉይ ዝኾነ ሰላምዊ ሰልፊ ዕምሪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምሕጻር ምስኩሎም ጸረ ህግደፍ ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ዘለዉ ኤርትራውያን ብሓባር ክምርሹ ነቲ ጉዕዞ ተታሓሒዞሞ ከምዘለዎ ኣረጋጊጾም።

ብቓልሰና ዕምሪ ወልቀ መላኺ ክሓጽር እዩ

ኣዳላዊት ሽማግለ ኣውስትራልያ

26/32011

Pictorial report

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3944

Posted by on Mar 26 2011 Filed under News, Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net