ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ከተማ ቶሮንቶ ንህዝባዊ ኣኼባ ከትካይድን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻውዒት ሰላማዊ ሰልፊ ክትነጥፍን መደባት ኣውጺኣ፣

ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ከተማ ቶሮንቶ ካብ እትቐውም ክሳብ ሕጂ ብደረጃ ሽማግለን ንኡሳን ሽማግለታትን ቀጻሊ ርክባትን ኣኼባትን ብምግባር ንዝገጠማ ብድሆታ ሰጊራ፣ መደባታ ኣሰላሲላ ንቕድሚት ገጻ ትምርሽ ኣላ። ኣብዘን ዝሓለፋ  ብዕለት 13ን ብዕለት 27ን መጋቢት 2011 ዘኻየዳ ክልተ ኣኼባኣ ከኣ፡ ነቲ ዘውጽኣቶ መደባት ኣብ ተግባር ንምልዋጡ ኣገደቲ ውሳነታት ብምሕላፍ መደባት መጻኢ ሓንጺጻ ኣላ።

ኣብዚ ሓፈሻዊ ኣኼባ ከኣ ካብቶም ዘተኩሮሎም ቀንዲ ኣርእስትታትን ውሳነታትን እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

ü  ህልዊ ኩነታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ክሳብ ሕጂ ዘጋየዶም ንጥፈታትን ዘውጽኦም መደባትን፣

ü  ዝተበጽሐ ክውንነት ናይ ኮሚሽን ብጉዳይ ምቅርራብ ናይ ህዝባዊ ጉባኤ ብመሰረት ኣብ ናይ ወርሒ መጋቢት ዝገበሮ ሓፈሻዊ ኣኬባኡ ብኣባል ኮሚሽን ኣቶ ክብሮም ደብሩ መግለጺ ተቐብላ ብመጽሩ ስርሓታ ወዲባ።

ü  ብምውጻእ ኣካዳ ብቐዳምነት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንምልዕዓል ህዝቢ ቶሮንቶን ከባቢኣን ዘለዉ ኤርትራውያን ንዕለት 10 ሚያዝያ 2011 ሓፈሻዊ ኣኼባ ንክግበር ጸዊዓ ኣላ።

ü  ብመሰረት ብኣህጉር ደረጃ ዝቀርብ ዘሎ ጻውዒት ናይ ግዱሳት ኤርትራውያን ብምምላሽ ብጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ብዝምልከት ንዕለት 18 ሚያዝያ 2011 ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቶሮንቶ ንኽግበር መዲቡ ኣሎ።

ü  ብተወሳኺ እውን ንዕለት 24 ግንቦት ድማ ኣብቲ ኣብ ከከተማኡ ኮይኑ ናይ ወጽዓ ድምጹ ዘስምዓሉ ዕለት ብዓለም ደረጃ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ  ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ንከብዕል ምኳኑ ዘጠቃለለ ይኸውን።

ዘሎናዮ እዋን ኣብ ከባቢ እታ ንፈትዋ ሃገርና ዓበይቲ ናዕብታት ተላዒሉሉ ዘሎ መድረኽ ናይ ግብጺ መድረኽ ናይ ሊብያ መድረኽ ናይ ሱዳን መድረኽ ናይ የመን ናበይ ገጹ ክዛዘም እዩ? ህዝብና’ኸ ካብዚ ተጠቐሚ ክኸውን ድዩ ዋላስ ንቃልስና ከናውሖ እዩ ዝብል ዝተንጠልጠሉ ሕቶታት ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሓንጎል ዘጨንቕ ሕቶታት ምህላዉ ዘይሰሓት ሓቂ እዩ። ንረብሓናን ንረብሓ ህዝቢ ግብጺን ሊብያን ሱዳንን የመንን ንኽውዕል ንምነ።

ብምቕጻል ነቶም ነዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ሽቱኡ ንከብጽሑ ለይትን መዓልትን ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ነታ ናይ ስራሕ ሰዓቶም ኣወፍዮም ኣኼባታት ዘካይዱ ዘለዉን ዝጸንሑን፡ ግዜ ናይ ስድራቤቶምን ሓዳሮምን ደቆምን ኣወፍዮም ምእንቲ ንጠቅሚ ውጹዕ ህዝቢ ብዘይ እፎይታ ዝቃለሱ ዘለዉን ኣባላት ከተማ ቶሮንቶ እንዳኣመስገና ከምኡ’ውን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ናይ ከባቢናን ዓለምናን ንጠቕሚ ውጹዓት ኣብ መዛዘሚኡ ንምብጻሕ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታት ክሳብ እውን ኣብ ዕጥቃውን ፖለቲካውን ሲቪካውን ማሕበራት ተጠርኒፎም ዝቃለሱ ዘለው ዜጋታት ኣብ ጎድንኻ ኣሎና እንዳበልና፡ ዝተጠርነፈ ቃልሲ እንድሕሪ ኣካይድና ኣብ ልዕሊ ጸላኢና ህግደፍ ክንዕወት ምዃና ዘይሰሓት ሓቂ እዩ፡ ንብል።

ዓወት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራ

ውድቀትን ፍሽለትን ንጽግዕተኛ ዲክታተሪያዊ ስርዓት ህግደፍ

ዝኽሪን ክብሪን ንጀጋኑ ስውኣትና

ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ቶሮንቶ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4052

Posted by on Apr 3 2011 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net