ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ከተማ ክኣትላንታ ቀዳማይ ናይ ህዝቢ ኣኸባ ብዓወት ዛዚማ፣

ብዕለት 2 ሚያዚያ 2011፡ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ኣትላንታ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምስላጥ፡ ቀዳማይ ኣኼባኣ ምስ ሕዝቢ ኣካይዳ። ናይ’ቲ ኣኼባ ዕላማ፡ ኣባላትን ዕማምን ተሓጋጋዚት ሽማግለ ምስ ሕዝቢ ምልላይን፡ ክሳብ ሕጂ ዘሳለጠቶም ስራሓትን ንምሕባርን እዩ ነይሩ።

እቲ ኣኼባ፡ ብኣቦ-መንበር ተወልደ ገብሩ ተኸፊቱን ተመሪሑን፡፡  ቀጺሉ ናይ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ኣትላንታ ዋና ጸሓፊ፡ ኣቶ ዘርኣይ ወልዳይ ናይ ሽማግለ አቛውማን ክፍልታትን ዕማማትን ገለጸ። ሽማግለ ህዝቢ ንጉባኤ ኣትላንታ ነቲ ናይ ሃገራዊ ኮሚሽን ብዝመሳሰል ቅርጽን ዕማማትን ዝቆመት እያ። ካብ ሞንጎኣ 7ተ ዝአባላታ ፈጻሚት ኣካል፡ ማለት ኣቦ-መንበር፡ ም/ኣብ-መንበር፡ ጸሓፊ፡ ከምኡ 4ተ ሓለፍቲ ንኡሳን ሽማግለታት ዘለዋኣ ኮይና ኣብዚ ናይ ትማሊ ኣኸባ ግን ቁጽሪ ኣባል ሽማግለ ካብ 10 ናብ 21 ወሲኹ። ካልእ እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየደ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ውጽኢቱን ዕማማት ኮምሽንን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። ድሕሪ’ዚ ዝተዳለወ ወረቓቕቲ ደምዳሚ መግለጺ 2ይ-ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (15-21 መጋቢት 2011 አዲስ አበባ)  ንኣኼበኛታት  ተዓደለ።

ቀጺሉ መንእሰይ ገብራይ ሃይለ ኣባል ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ፡ ናይ መንእሰይ ተራ ኣብ’ዚ መስርሕ ንሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ድሕሪ ምግላጽ፡ ተሳታፍነት ናይ መንእሰያት ኣብ ምዕባይ ኣቦታትን ኣደታትን ተራኦም ክጻወቱ ከምዘለዎምን ሓቢሩ። መንእሰያት ኣብ ኩሉ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን፡ ብንጥፈት ክዋሳእ ከምዘሎዎም ከኣ ጻዊዒቱ ኣቅሪቡ። ኣብ መወዳእታ፡ ናይ ሕቶን መልስን ርእይቶን ግዜ ተዋህበ፤ ኣባላት ተሓጋገዝቲ ሽማግለ ኣትላንታ ንኣኼበኛታት መልሲ ሂቡ፤ ንሃናጺ ምኽርታት’ውን ብኣኽብሮት ብምቕባል፡ ሕዝባዊ ኣኼባ ብጽቡቕ ተደምደመ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ!!

ንኡስ ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን!!

ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ከተማ ኣትላንታ!!

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4062

Posted by on Apr 4 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net