ዕድመ ንኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ሚላኖን ከባቢኣን ፡ ንዋዕላን ኣንፈቱን ዝምልከት ናይ ህዝቢ ኣኼባ፡

       ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2009 ዳርጋ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪክ ማሕበራት ውልቀ ዜጋታትን ዝተሳተፍዎ፣ሰፊሕ ዋዕላ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ከምዝነበረ ኩሉ ዝዝክሮ ኢዩ።እዚ ኣኼባዚ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝወሓዙ፣ ብሃይማኖት፣ብብሄር፣ ብቋንቋ፣ብጾታን ብዕድመን ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ሓደ መኣዲ ኮፍ ኢሎም ብምዝታይ ኣገዳሲ ሃገራዊ ውሳኔታት ዘሕለፍሉ ታሪኻዊ ኣኼባ ምንባሩ ብዙሕ ተነጊሩሉን ተጻሒፍሉን ኢዩ፡፡ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ውሳኔታት ንኩሎም ተሳተፍቲ እትውክል ብ53 ኣባላት ዝቖመት ኮሚሽን ተመሪጻ ነቲ ድሕሪ ሓደ ዓመት ክካየድ ዝተወሰነ ጉባኤ ንምድላውን ንምውህሃድን ሓላፍነት ምውሳዳ ኢዩ።

በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝነብር፣ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተኣልዩ ቅዋማውን ብሕጊ ዝምእዘዝ መንግስትን ክመጽእ ዝትምነ ኤርትራዊ ዜጋ ኩሉ ዝዝትየሉን ርእይትኡ ዝሕውሰሉን ባይታ ንምጥጣሕ ብርቱዕ ጻዕሪ ተካይድ ኣላ።

እዚ ናይ ዘተ መኣዲ’ዚ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ኤርትራዊ ዜጋ እጃሙ ዘበርክተሉን ፍልልያቱ ኣጽቢቡ፣ናይ ቃልሱ ቅደም ተኸተል ብምስራዕ ሓድነታዊ ሰረት ተቓውሞ  ዘንጸፈሉን መኣዲ ንክኸውን ጻዕሪ ናይ ኩሉዜጋ ምስዝሕወሶ ኣድማዕነቱ ዘይከሓድ ኢዩ።

ካብዚ እምነት’ዚ ብምብጋስ ኣብ ሚላኖን ከባቢኣን ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባትን ስቪክ ማሕበራትን ውልቀ ዜጋታትን ብዛዕባ ዋዕላን ኣንፈቱን ንምዝታይ ኣኼባ ናይ ህዝቢ ኣዳልዮም ንኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ይዕድሙ።

 

ኣቕራቢ – ኣቶ ኪዳነ ተኽለ ኣባል ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲምክራሲያዊ ለውጢ ካብ  

             ሽወደን፡

ኣኼባ ዝካየደሉ ዕለት –  16 ሚያዝያ 2011 ፣ሰዓት 16.30 ድሕሪ ቀትሪ

ኣኼባ ዝካየደሉ  ቦታ  –  ቪያ ጆቫኒ ፓስኮሊ ቁ. 4

–         VIA GIOVANNI PASCOLI N° 4. ( CITTA STUDI )

               መጓዓዝያ –  ካብ ፖርታ ቨነስያ ትራም ቁ.5 ን ቁ.33ን (3 ፌርማታ)

–         ካብ ማእከል ከተማ ትራም ቁ. 23

–         ካብ መዕረፊ ባቡርን  (ስታሲዮነ ቸንትራለ) ካብ ፒያሳለ ሎድን ኣውቶቡስ ቁ.92

                                  ብደሓን ምጹ

ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ሚላኖን ከባቢኣን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4130

Posted by on Apr 12 2011 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net