መበል 20 ዓመት መዓልቲ ነጻነት፡ ተሪር ተቓውሞ እነስምዓላን እነስተንትነላን መዓልቲ ክትከውን ይግባእ፤

4/23/2011

ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር ኤርትራውያን (EGS) ነቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ናይ ኣስመራ ንምኹናን ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ሓዘንን ቀጻሊ ስቓይን ዓለም ቆላሕታ ንኽገብረሉን፡ ኣብ ሙሉእ ዓለም ሰላማዊ ሰልፍታት ንምድላው ዝነጥፉ ዘሎዉ ተጣበቕቲ ኣዝዩ የመስግን።

መበል 20 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኣበየናይ ኩርናዕ ናይ ዓለም ኣሎዉ ብዘየገድስ፡ ድምጽታት ፍትሕን ደሞክራስን ሓቢሮም ዕድመ ናይ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ከም ዘብቅዐ፡ ንጹርን ዘየወላውልን መልእኽቲ ዘሕልፉላ መዓልቲ ክትከውን ኣሎዋ። መልእኽትና ብሓጺሩ፡ “ዕስራ ዓመት ይኣክል!!” “ እዋኑ እዋን ለውጢ እዩ!!!” ክኸውን ኣሎዎ።

ብድሕሪ’ቲ ንሙሉእ ሃገር ኣብ ከቢድ ሓዘን ዘእተወ፡ መጠነ-ሰፊሕ ማለት ዳርጋ 400 ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥሓሎም፡ ንበዓል ነጻነት ከም’ቲ ልሙድ ኣበዓዕላ ከነብዕላ ኣይንኽእልን። የግዳስ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ እዚ ዓማጺ ስርዓት’ዚ እንኸፍሎ ዘሎና ዋጋ እነስተንትነሉን፤ ምስ ህዝብና  ብሓባር ደው ኢልና ነቲ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ ጸልማት ምእንቲ ኸብቅዕ ናይ ቃልሲ መብጽዓ እንኣትወላን ቅድስቲ መዓልቲ ክትከውን ይግባእ።

ነቲ “ብሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ” ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ከምኡ’ውን ብ EYC ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ንጉንበት 27, 2011 (May 27,2011) ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍታት ንምክያድ ዘይሕለል ጻዕርታት ዘካይዱ ንዘሎው ወገናት ማሕበርና ደገፉ ይገልጽ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ንኣባላትናን ኣብ ሙሉእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎዉ ወገናትናን ኣካል ናይ’ዚ ታሪኻዊ ሰልፊ’ዚ ክኾኑን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ መረርኡ ከም እንሰምዖን ኣካል ሽግሩ ምዃንናን ንጹር መልእኽቲ ከነሕልፍ ከም ዝግባኣናን ኣተሓሳሲቡ።

ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር ኤርትራውያን ንኣብ ስደት ዘሎው መንእሰያት ኤርትራውያን ክትስኡን፡ ነዚ ሰልፊ’ዚ ክመርሑን ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ’ቲ ንምርግጋጽ ልዕልና ሕጊ፣ ደሞክራስን ፍትሕን ዝካየድ ቃልሲ ታሪኻዊ ናይ ምምራሕ ግዲኦም ከበርክቱን የተባብዕ።

ኣብ መደምደምታ፡- እቲ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት ብዓይነቱን ብዓቐኑን ክብ ክብልን ዋላ ብድሕሪ መዓልቲ ነጻነት’ውን ቀጻልነቱ ከረጋግጽን ነተባብዕ።

“ነብሲ-ወከፍ ድምጺ ተብጽሖ መልእኽቲ ኣሎዋ!!”።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4297

Posted by on Apr 26 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net