ኣብ አዲስ ኣበባ 21 ዚኣባላታ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ተመሪጻ

ትማሊ ቀዳም 7 ግንቦት 2011 ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣባባ ኣባላት ዝተፈላለየ ማሕበረሰባት ኤርትራ ዝኾኑ ተቐማጦ ኣዲስ ኣባባን ከባቢኣን ማለት ምሁራት ሓርበኛታት ተማሃሮ መማህራን ገዳይም ተቓለስቲ ስደተኛታትን  ወከልቲ ማዕከታት ዜናን ዝተሳተፍዎ ኣብ ትሕቲ “ሃገራዊ ጉባዔ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘቃላጥፍ ወሳኒ መድረኽ እዩ” ዝብል ጭርሖ ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ።

እቲ ኣኼባ ብአባላት ሃገራዊ ኮምሽን እቲ ጨንፈር እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ምስጋና ንኹሉ ደላዪ ለውጢ  ድሕሪ ምቕራብ ነብሶም ንኣኼበኛ ብምልላይ መግለጺ ሃገራዊ ኮምሽን ብኣባል ፈጻሚ ኣካል መሓመድ ሳልሕ ኣቡበከር መግለጺ ኣዳላዊ ሽማግለ ከኣ ብትግርኛ ብሓው ነጸረኣብ ኣስመላሽን ሓው ኣቡበከር ፍሬታይ ብቋንቋ ዓረብ ምስ ኣንበቡ ናብቲ ዝተታሕዘ መደብ ብምእታው ብዛዕባ ዕውት ሃገራዊ ዋዕላን ዝሓለፎም መስርሓትን ከመይነት ኣቃውማ ሃገራዊ ኮምሽንን ሃገራዊ ኮምሽን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዝርከብሉ  ሃገራት ዓለም ዘሳለጦም ዕዮታትን መደባትን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2011 ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤን ኣድላይነቱን ንምዕዋቱ ዝሓትት ቃልስን ኣመልኪቶም ሰፊሕ መብርሂ ብምሃብ መራሕቲ መድረኽ ዕድል ነቲ ኣኼበኛ ብምሃብ ናይ ዘተ መድረኽ ከፈቱ።

ኣኼበኛታት ብወገኖም ሃገራዊ ኮምሽን ንዘሳለጠም ዕዮታት ብስም እቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብምምስጋን ዝተሰመዖ ፍናንን ሓበንን ብምግላጽን ሃናጺ ሓሳባትን ርኢቶታትን ብምቕራብ ብግሉጽነትን ሓድሽ መንፈሳዊ ተበግሶ ቃልሲ ንለውጢ ብምርኣይን ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ዘለዎም ድሉውነትን፡ ካብኦም ዝድለ ዘበለ ኩሉ ክኸፍል ድሉዋት ከም ዝኾኑ ብምግላጽን ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ምስ ሃገራዊ ኮምሽን ጨንፈር ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ክተሓጋገዙ ምካኖም ኣረጋጊጾም፡፡

ሃገራዊ ኮምሽን ንበዓል ናጽነት ኤርትራ ብክልተ ሸነኻት ከም ዝመዝኖን ንሱ ከኣ በቲ ሓደ ሸነኽ ብመስዋእትን ስንክልናን ኣሽሓት ጀጋኑ ኤርትራውያን ናጽነትና ጋህዲ ዝኾነላ ዕለት ክትከውን እንከላ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ዲክታቶራዊ ጉጅለ ዝተወልደላን መዓልቲ ብሙዃና 24 ግንቦት ከምቲ ህግደፍ ዝገብሮ ብናይ ሓሶት ጓይላን ዳንኬራን ዘይኮነስ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር ኮይኑ ብሰላማዊ ሰልፊን ተቓውሞን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍን ንኸብዕላን ሃገራዊ ኮምሽን ብዘቕረቦ መጸዋዕታ መሰረት፡  ኣኼበኛታት ብወገኖም ኣብ ጎኒ ሃገራዊ ኮምሽን ኮይኖም መበል 20 ዓመት ናጽነት ንምዚካር ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካይዱ ቃል ብምእታው ንበዓል ነጻነት መብዓሊ ዝኸውን 7,510.00ብር (ሸውዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ምኢትን ዓሰርተን ብር) አውጺኦም፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣብ ጎኒ ሃገራዊ ኮምሽን ኮይና ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ንኽተሓጋገዝ ካብቲ ኣብ ኣኼባ ዝነበሩን ዝውሰኽዎምን አርባዓተ ደቂ ደቀንስትዮ ዛሓቆፈት 21 ዝአባላታ “ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ” መሪጾም፡፡ ኣኼበኛታት ነቲ ብኮምሽን ዚተዳለወ ኣብ መስርሕ ጉባኤ ንምስታፍ ዘክእል ፎርም ብምምላእን ዓቕሞም ዘበለ ገንዘባዊ ደገፎም ንሃገራዊ ኮምሽንን ንሃገራዊ ጉባኤን ቀጻሊ ከምዚገብሩ ቃል ብምእታውን ንኹሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝርከብ ደላዪ ለውጢ ኤርትራዊ ኣብ ጎኒ ሃገራዊ ኮምሽን ኮይኑ  ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ኩሉ ዘድሊ ምትሕግጋዝ ክገብር ጸዋዒት ብምቕራብ እቲ ህዝባዊ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ። 

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣማኢት ስደትኛታት ዚተሳተፍዎ ብኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝተመርሐ ተመሳሳሊ ህዝባዊ ኣኼባታት ብዕለት 05 ግንቦት 2011 ኣብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ሽመልባ ከምዚተካይደ እቲ ዝመጸና ሓበሬታ የረድእ፡ ሙሉእ  ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ክስዕብ ኣዩ፡፡

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!

 

ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ – ኣዲስ ኣበባ

www.encdc.com

.

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4495

Posted by on May 10 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net