ጸብጻብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሎንደን

 

ብሓልዮት ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ዝተዳለወ ብቀዳም 21 ግንቦት ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሎንደን ተኻይዱ። እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ሳዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ካብ Kings Cross Station ክሳብ ኣፍደገ ኤምባሲ ስርዓት ኤርትራ ን45 ደቓይቕ ብናይ እግሪ ግዕዞ ድሕሪ ምምራሽ ክሳብ ሳዓት ሓሙሽተ ቀጺሉ ኣምሲዩ።

ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ጨቋኒ ስርዓት ዝዓለመ ምእንቲ ብሩህ መጻኢ ዕድል ህዝብና ኮይኑ፡ ሕቶኡ “ድማ ስርዓት ንምእላይ “እዩ ነይሩ። ቀጺሉ እቲ ብምኽንያት ሰለማዊ ሰልፊ ዝተዳለወ፡ ኣብዚ ውሽጢ ዕስራ ዓመት ዘሕልፎ ዘሎ ስርዓት ኤርትራ ዝጠንቁ፡ ፓለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን መከራ ዝገልጽ ጽሑፍ ( Memo ) ብክልቲኡ ቋንቋታት ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምንባቡ ንስርዓት ኤምባሲ ኤርትራ ተላኢኹ።

ብድሕሪኡ፡ ዝተፈላለየ መደረ ካብ ዝተፈላለዩ ኣባላት ፓለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ከምኡውን መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ሃገራውያን ብጭሮሖ ተሰንዩ ብሓደ ድምጺ “ ይኣክል ንዕስራ ዓመት ጭቆና” ዝብል እዩ ነይሩ። ኣብ መጨርሽታ፡ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ከምቲ ተመዲቡሉ ዝነበረ ሳዓት 17፡30 ብዓወት ተዛዚሙ።

ዓወት ንፈታው ሰላምን ደላይ ለውጢ ዲሞክራስን
ውድቀት ንስርዓት ኤርትራ
22.05.2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4787

Posted by on May 23 2011 Filed under News, Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net