መግለጺ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ-ዓባይ ብሪጣንያ

ኣባላት ቦርድ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ-ዓባይ ብሪጣንያ ንተኸታታሊ 3 ሳምንትታት ዝቐጸለ ቀዳም ሰንበት እናተራኸቡ ብዛዕባ ምንቅስቓስና ዝምልከት ኣልዒልና ክንዘራረብ ቀኒና።ንሕና ካብ ከተማታት ለንደን፣ ኦክስፎርድን ሸፊልድን ዝመጹ ዝርከብዎም ኮይንና ብመጀመርታ ናይቲ ካብ ብወግዒ ካብ ዝምስረት ዓመትን መንፈቕን ኣቑጺሩ ዘሎ ምንቅስቓስና ናይ ዝሓለፉ መደባቱን ንጥፈታቱን ገምጊምና። ንህሉው ኩነታት ደንበ ተቓውሞ፣ ህዝባዊ ምልዕዓል ብመሪሕነት መንእሰያት ዝምልከት ኣልዒልና ዘቲና። ብፍላይ ምስ ፍጻሜታት ሰሜን ኣፍሪቃ ተኣሳሲሩን ተጸሊዩን ንዝርአ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ተቓውሞታት ናቱ ኣካል ኮይንና ብኸመይ ንጡፍን መሪሕ ተራን ንምጽዋት ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎታት ተመያይጥና።

ነቲ ብናይ መንእሰያት ተበግሶ ኣብ ከተማታት በርሚንግሃምን ሊድስን ካልኦትን ዝተወስደ ናይ መንእሰያት ምውዳብን ምጥርናፍን ብደረጃ ጨንፈር ኮይኖም ንምስራሕን ሃገራዊ ጉቡኦምን እጃሞምን ንምብርካት ኢሎም ዝወሰድዎ ስጉምቲ ነሞግስን ንንእድን። በዚ ኣጋጣሚ ነዘን ዝተመስረታ ኣብ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ይኹና ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ካልኦት ኣህጉርን ሃገራትን ዝተመስረቱን ክምስረቱ ንዝህቅኑን ጨናፍር ካባና ዝድለ ዓቕምና ዘፍቅዶ ሞራላውን ነገራውን ድጋፍ ክንህብ ንመንእሰያት ምዃንና ቅሩብነትና ነረጋግጽ።

ብተወሳኺ ከም ዝኾነ ካልኦት ናይ መንእሰያት ምንቅስቓሳት ሓራን ነጻን ኮይንና፣ ካብ ውሽጣውን ግዳማውን ጸቕጥታትን ምትእትታዋትን ከየፍቀድና፣ ዘይሻራዊ መርገጺና ዓቂብና ከም ንቕጽል ዳግም ኣረጋጊጽና። እንተኾነ ግን ንሓፈሻዊ ዕላማታት ማሕበርና ንምዕዋት ምስ ራኢና ዝቃዶ ከም እስትራተጂ እንኽተሎ ምቅላስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራን ምቅልጣፍ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ኢዩ። ገለ ካብ እንኽተሎ እስትራተጂ ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት (ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን) ኣብ ሃገራዊ ረብሓ ዝተሞርኮሰ ንህዝቢ ዘማእከለን ዘተኮረን መደባት ንምዕዋት ምትሕብባርን ምስታፍን ከም ንቕጽሎ ኣስሚርናሉ።

ኣብ መወዳእታ ንኣቶ ብርሃነ ወልደገብርኤል ካብ Eritrean Education & Publication Trust ነቲ ብቀዳምን ሰንበትን ካብ 11-12 ሰነ 2011 ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ተሳቲፍና ወረቐት/ ቃል ከነስምዕ ንዝኸፈተልና ዕድል ነመስግን። ዕላማ እቲ ኮንፈረንስ ተራ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ንምድህሳስ ኮይኑ ኣዝዮም ሓያሎ ኤርትራውያን መራሕቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ምሁራት ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ተረኺቦም ነይሮም። ካብቶም ኣካድያምያዊ ሓዘል ዘቕረቡን ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት ዘካፈሉን ዝተማሃርናዮን ኩሉ ግዜ ብመትከል ንኣምነሉን ኣድላይነት ዘተ ኢዩ። ፍልልያታካን ግርጭታት ምስ ዝኽሰቱ ብዝርርብን ልዝብን ክተፈትሖ ምህቃን፣ መርኣያ ስልጡን ባህልን ምዕባለን ብምዃኑ ምቕባል። ንዝርዝራዊ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ኮንፈረንስን ዘስማዕናዮ ቃልን ኣብ ቀረባ ግዜ ከነቕርበልኩም ኢና።

ቦርድ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ

  ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ

18/06/2011

.

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5135

Posted by on Jun 19 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net