ህጹጽ መጸዋዕታ

ኣብ  ኤርትራ  ብድሕሪ  ዘጋጠመ ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ብዕለት 12 ሰነ 2011 ሰዓት 10 ቅድሚ ፍርቒ ለይቲ ኣብ መንጎ ከባቢታት ነብሩን መለዓልን ሲረሮን (ራ) ዝተባህለ ቦታ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ጎቦ ነብሮን ኩለሌን ኣብ (ባሳ) ዝተባህለ ቦታ ስዒቡ ዝተኸስተ እሳተ ጎመራን፡ ብስንኩ ዝወጸ ሓምኩሽቲ ንከባቢታት ደርደርታ፡ ሲብሎ፡ ዓሳ ዳባ፡ ዳህሙ፡ ዱፍለ፡ ከሚራ፡ ፈረስ ገሎ፡ ኣበል ተበይና፡ ኣቡዕ፡ ጉለሌን በልዓድን ብምሽፋኑ፡ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ እቲ ከባባታት ከቢድ ስብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ምውራዱን፡ ህዝቢ ከፈናቅል ምግባሩን ካብቲ ቦታ ዘመጸና ሓበሬታ የረጋገጽ።

 

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ሓደጋ ቅድሚ ምኽሳቱ ኣቐዲሙ ብሎጂሎጂካዊ ትንበያ ብምፍላጡ፡ ንህዝቢ ከይሓበረ ቅድሚ 10ሰዓት ኣብቲ ከባቢ ሰፊሩ ዝነበረ ስራዊቱ ጥራይ ብምውጽኡ ህዝቢ ከብርስ ዘለዎ ድሌት ዝምስክር ጭቡጥ ሓቂ”ዩ።

 

ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ ሓደጋ ክፈጥር ምዃኑ ንተቐማጦ እቲ ከባቢ ከይሓበረ ምዃዱ ጥራሕ ከይኣኽል፡ እቲ ሓደጋ ዝተፈጠረሉ ቦታ ንማዕከናት ዜና ይኹን ንገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ዕጹው ምዃኑ ብሰንኪ ምእዋጁ፡ እቲ ኩነታት ብልክዕ ከግልጽን ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ዝወረደ ኩሉ መዳያዊ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ከይፍለጥን ህዝቢ ዝድልዮ ሓገዝት ከይረኽብ ተሓሪሙ ኣሎ።

 

እዚ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተፈጺሙ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር’ንህዝቢ ናይቲ ከባቢ ንከቢድ ስቅያት ኣቓልዑ፡ ዕለታዊ መሰረታዊ  ጠለባት ከም ምግቢ፡ ማይ፡ መድሃኒት፡ ክዳውንትን መዕቆብን ክስእን ኣገዲድዎ ይርኸብ።

 

በዚ መሰረት”ከኣ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንመላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ኩሎም ማዕከናት ዜናን ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓደጋ ብግቡእ ብምርዳእ፡ ነቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ብህጹጽ ንምሕጋዝ ሓላፍነታዊ ተርኦም ክጻውቱ ይጽውዕ።

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜና 

ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ 

16 ሰነ 2011

                                               

 

 

 

 

              Information & comm. Office ,Red Sea Afar Democratic Organization, Addis Ababa, Ethiopia+251913075764 (telephone) +251912097006 (telephone), Email: rsado98@yahoo.com, Website: – www.dahlak.org

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5157

Posted by on Jun 21 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net