ኤርትራውያን ሞያውያን ብጉዳይ ሃገሮም ንምምካር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦም ይዝትዩ ኣለዉ፡፡

ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝተኣኻኸቡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓዉዲታት ሞያ ዘሎዎም ኤርትራዉያን  ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓደገኛነቱ እንዳዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ኩሉመዳያዊ ቅልዉላው ኤርትራን ህዝባን፡ ተመኻኺርካን ተማያይጥካን ፍታሕ ንምንዳይ ዝዓለመ ኣኼባ ሎሚ 6 መስከረም 2011 ጀሚሩ፡፡

እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ህብረተ-ሰብ ሞያውያን ሃገራውያን ዝሳተፍዎ ዘሎዉ ኣኼባ፡ ካብ ኣሜሪካ፡ካናዳ፡ ኤዉሮጳ፡ ኣዉስትራሊያ፡ ኣፍሪቃን (ደቡብ ኣፍሪቃ፡ኢትዮጵያ ሱዳን) ኤስያን ብዝመጹ ምያዉያን ሃገራዉያን ካብ ሰዓታት ንግሆ ጂሚሩ ክካየድ ዉዒሉ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ ቅድሚ ኣብቶም ንምይይጥ ዝቐረቡ ዛዕባ ምእታው፡ ኣኼበኛታት ካብ መንጎኦም ኣኼባ ዝመርሑ ንወ/ሮ ምሕረት ገብረኢየሱስን ዶ/ር መሓመድ ኼር ኣፈኛታት ኣኼባ ኮይኖም ዘገልግሉ ኸኣ ንጋዜጠኛታት ዓብደረዛቕ ከራርን መሓሪ ኣብራሃምን ኣኼባ መሪጽዎም።

ብድሕሪ እዚ ኣኼባ ሞያዉያን ኤርትራዉያን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዉዕልኡ ዘገልግል፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቅልዉላዉን፡ ናብዚ ዘብጽሐ መሰረታዊ ጠንቅታትን ንዝብል ዛዕባ ካብ ተኻፈልቲ ተወሳኺ ሓሳባትን ነጥብታትን ድሕሪ ምዉሳኽ ናይ ሎሚ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀሪቡ፡፡

እዚ ብወ/ሮምሕረት ገብረየሱስ ዶ/ር መሓመድ ኼር እንዳተመርሐ ዝተኻየደ ኣኼባ ንተራን መርገጺን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ኤርትራዉያንን፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዠበርክትዎ ዘሎዉ ደገፍን ሓገዝን ስለምንታይ? ንምንታይ? ኤርትራዉያን ኣብ ሃገርና ሰላምን ደሞክራስን ንምምጻእ ኣብ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ተራ ኢትዮጵያ እንታይ ጸኒሑ? ንመጻኢ ኸ? ኢትዮጵያዉያን ካብ ኤርትራ ዝደልይዎ እንታይ እዩ? ዝብሉን ካልኦት ሕቶታት ንምብራህን ንምንጻርን ተባሂሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዉካል ሚኒስተር በረኸት ስምኦን ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ ስፊሕ መብርሂ ይህብ ኣሎ፡፡ 

እዞም ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ተኣኪቦም ዝመያየጡ ዘሎዉ ሞያውያን ኤርትራዉያን፡ ንጠንቂ መሰረታዊ ጸገም ኤርትራን ህዝባን ኮይኑ ንዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝምልከት፡ ካብ ጭቡጥ መበገሲ ዝነቐለ ፍልጠታዊን ታሪኻዉን ጭብጥታት ብምሙርኳስ፡ ብኹሉ ሸነኹ ፈቲሹ ዝተንተነ መዛረቢ ዛዕባ፡ ኣኼበኛታት ነጻን ኣሳታፊን ብዝኾነ ኣገባብ ክካትዑን ክመያየጡን ድሕሪ ምዉዓል ኣኼባ ኣማስይኡ ናይ ሎሚ ስርሑ ዛዚሙ።      

እዚ 62 ሞያዉያን ኤርትራዉያን 15 ድማ ካብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ዉድባት ኤርትራ ተወኪሎም ዝሳተፍዎ ዘሎዉ ኣኼባ ጽባሕ ረቡዕ እዉን ብጉጅለታት ተመቓቒሉ ናይ ምይይጥ ስርሑ ክቕጽል እዩ።

 

ሽማግለ ዜና

6 መስከረም 2011

ኣዲስ ኣበባ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5734

Posted by on Sep 9 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net