ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ርያድ ንህዝቢ ኣኼባ ኣካይዱ

ኤ/ ሃ/ኮ/ደ/ለ ጨንፈር ርያድ ኣብ ዕለት 09/9/2011 ንህዝቢ ኣኼባ ኣካይዱ ። ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ መደብ ኣብ ህሉው ኩነታት ህዝብናን ፣ ሃገርናን ዝተኮረ ሕጽር ዝበለ ፡ ለበዋ ሓዘል መዘኻኸሪ ብኣቕራቢ መደብ ድሕሪ ምቕራብ ፡ ስዒቡ ኣቦመንበር ኤ/ሃ/ኮ/ደ/ለ/ ጨንፈር ርያድ ፡ ንዕዱማት እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፡ ብዛዕባ ናይ’ቲ መዓልቲ መዛረቢ ጉዳይ ክገልጽ እንከሎ ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ተዘርጊሑ ዝነበረ ሰነዳት ( ኤርትራዊ ሃገራዊ ቅዋምን ፣ ካልእን ) ዘተኮረ ሓሳብን ፣ ርእይቶን ብደሞክራስያዊ ኣገበብ ፡ ካብ ህዝቢ ንምእካብ ምኳኑ ገሊጹ ። ብምውሳኽ ፡ ህዝቢ ነቲ ሰነድ መወከሲ ብምግባር ፣ ቁጽሪ ገጽን ፣ ዓንቐጽን እናገለጸ ፡ ናይ ደገፍ ፣ ወይ ናይ ተቓውሞ ርእይትኡ ክህብ ከም ዝኽእል ኣዘኻኺሩ።
ህዝቢ ውን ብወገኑ ብመሰረት እቲ ተሰሪዑ ዝነበረ መደብ ፡ ብመጀመርያ ነቲ ሰነዳት ብዝምልከት ሓሳቡን ፣ ርእይትኡን ድሕሪ ምሃብ ፡ ቀጺሉ ንሃገራዊ ዋዕላ ዝምልከት ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ ።
ስዒቡ ኣቦመንበር ኤ/ሃ/ኮ/ደ/ለ ጨንፈር ማእክላይ ምብራቕ ኣቶ ዓብደላ ሓዞት ፡ ህሉው ኩነታት ሃገርን ፣ ህዝቢ ኤርትራን ኣመልኪቱ ሓጺር መደረ ድሕሪ ምሃብ ፡ ንህዝቢ ስለቲ ሃገራዊን ፣ ሓላፍነታዊን ፣ ተገዳስነቶም ብምንኣድ ፡ ንሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ ። ብኸምዚ ዝተገልጸ ኣገባብ ዘምሰየ ህዝባዊ ኣኼባ ፡ንሃገራዊ ዋዕላ ዝምልከት ሓበሬታ ንህዝቢብምሃብ ተዛዚሙ ።

ኤ/ሃ/ኮ/ደ/ለ ጨንፈር ርያድ
ዜናዊ ጉዳያት 11/9/2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5748

Posted by on Sep 12 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net