ርሑስ ባዓል ቅዱስ ዮሃንስ ይግበረልና

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ንባዓል ቅዱስ ዮሃንስ ኣብጽሓኩም ይብል። ባዓል ቅዱስ ዮሃንስ ንህዝቢ ኤርትራ ባዓል ሰላምን ራህዋን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ሰዓብቲ ኩሉ ሃይማኖታት ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንካርን ክጽዕሩ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ብምድጋፍ፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ደው ክብሉን ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱን ይጽውዕ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!
አብ ኤርትራ ምልኪ ፈሪሱ ሕጊ ይንገስ!!
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
10 መስከረም 2011
WWW.ENCDC.COM

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5753

Posted by on Sep 12 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net