News

ርሑስ ባዓል ቅዱስ ዮሃንስ ይግበረልና

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ንባዓል ቅዱስ ዮሃንስ ኣብጽሓኩም ይብል። ባዓል ቅዱስ ዮሃንስ ንህዝቢ ኤርትራ ባዓል ሰላምን ራህዋን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ሰዓብቲ ኩሉ ሃይማኖታት ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንካርን ክጽዕሩ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ብምድጋፍ፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ደው ክብሉን ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱን ይጽውዕ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!
አብ ኤርትራ ምልኪ ፈሪሱ ሕጊ ይንገስ!!
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
10 መስከረም 2011
WWW.ENCDC.COM

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top