ጋዜጣዊ መግለጺ

Pictural Report

ትማሊ ዓርቢ ዕለት 16 መስከረም ኣብ ፍራንክፎርት ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ሃገር ኤርትራን ቤት ጽሕፈት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ተረኺቡ ነቶም ብመስከረም 2001 ሒዞም ዝተኣስሩ ክሳብ እዚ ዕለት‘ዚ ክሲ ከይተመስረተሎም ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ካብ ዓለም ተሰዊሮም ኣብ ትሕቲ ሞቑሕ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘሎዉ ብምዝካርን ብቕጽበት ክፍትሑን ዝጠልብ ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እዚ ብዙሓት ኣብ ሃገር ጀርመን ዝርከቡ ኤርትራውያን በርጌሳውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ብምትሕብባር ናይ ጀርመናውያን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባትን ናይ ሰላም ምንቅስቃሳት ማሕበራት ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ ኣቐዲሙ ኣብ ናይ ከተም ፍራንክፎርት ፓርላማ ተወኪሎም ዝርከቡ ፓርትታት ከምኡ ድማ ኣብ ፍራንክፎርት ዝመደበሮም ዓበይቲ ጋዜጣታትን ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ጠለባቱ መግለጽታቱን ብምሕባር ናይ ጥርዓን ጻውዊዕት ደገፋት ድምጹ ምእንቲ እቶም መንግስቲ ኤርትራ ድምጾም ኣጥፊእዎ ዘሎ ዜጋታት ኣቃሊሑ።

ብምኽንያት‘ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝወጸ መግልጺ፡ ኣብ ኤርትራ ብጽዩፍን ጨካንን ድክታቶር ዝምራሕ ናይ ገባቲ ስርዓት ነጊሱ ከምዘሎ ካብቲ ዘርዚርካ ዘይውዳእ መዘና ዘይብሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብነታት ብምጥቅስ ብብሩህ ተዘርዚሩ ይርከብ።

ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ትእዛዛቱ ክፍጽሙ ዝተፈጥሩ ጊላታቱ ድኣምበር ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዝግብኦም ፍጡራት፡ ዲምክራሲ ፍትሕን ሰርዓተ ሕግን ዘድልዮም ዜጋታት ከም ምዃኖ ግቢሩ ከምዘይርእዮም፡ ኣብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ጀሚሩ ዝፍጽሞ ግህሰታት ሰብኣውን ዲሞክራስያዊ መሰላት ይምስክሩ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር፡ ኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት ብቕጽብት ክፈትሕ፡ ኣብ ልዕሊ ምእመናታት ዝግበሮ ጽቕጥታት ብቕጽብት ደው ከብሎን፡ ኩሉም ናይ ምእምና እሱራት ብቕጽብት ክፍትሑን፡ እቲ ዘይተደረተ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ጠጠው ከብሎ፡ ኩሎም እሱራት ኣብያ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት.ክፍትሑን ኣብ ልዕሊ ምጥላቡን፡ ቅውም ክትግብርን ሰልጣን ናብ ሓፋሽ ክሰጋገርን መሰል ናይ ነጻን ሓላፍነታውን ሞያ ጋዜጤኝነት ክሕሎን፡ ዝብሉ ዲሞክራስያዊ ጠላባቱ ኣቃሊሑ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንመንግስቲ ጀርመን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ፖለቲካዊ ዕቑባ ክዋሃቦም፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘይሕጋዊ ካብ ዜጋታቱ ቀረጽን ካልእ ናይ ገንዘብ ምእካብ ጠጠው ንከብሎን፡ ከምኡድማ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበርን፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጥታት ከካይድ ከምኡ‘ውን ንምንቅስቃሳት ህግደፍ ኣብ ጀርመን ክከታተል ጸዊዑ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንኩሎም ተጣበቒቲ ሰብኣዊ መሰላት ጀርመን፡ ኣንጻር ኢዚ ዘስደምም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ጠጠው ኪብሉን ክጽውዕ እንከሎ ንጋዜጠኛታትን ውከልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ጀርመን ድማ ምስ ናይ ሞያ ብጾቶም ኤርትራውያን ምድግጋፎም ከርእዩን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግበናት ኬቃልሕዎን ንሓፋሽ ኪገልጽሉን ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።

 

ሰላማዊ ሰልፊ ኣዳላዊት ሰላማዊ ሰልፊ

ሽማግለ በርገሳውያን ማሕበራትን

ፖለቲካውያን ውድባትን ኤርትራ

 

ካርስሩሄ – 20 መስከረም 2011

 

Pictural Report
 

 

.

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5805

Posted by on Sep 22 2011 Filed under News, Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “ጋዜጣዊ መግለጺ”

  1. artrawi shaebya

    DoWn Down Isayas and long live Eritrean people
    Eritrawi from China

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net