NewsNotices

ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን

ንቀዳም ዕለት 24 መጋቢት (March) 2012 ኣንጻር‘ቲ ሕሱም ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖታዊ ትካላት ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን መድሓኔ ዓለም ፍራንክፎርትን ካልኦትን ዝፍጽሞ ዘሎ ምትእትታው ደው ንከብል ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ። ተቓውሞና እነካይደሉ ካብ ባንሆፍ ኒደራድ (መዓርፎ ባቡር ምድሪ ኒደራድ) ስዓት 12፡00 (ፍርቂ መዓልቲ) ክጅምር እዩ።

 

ዲክታቶርያውያን ገዛእቲ ህግደፍ፡ ንሕብረተሰባዊ ጉጅለታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮ ንምእታው ዘይተጠቕምዎ ብልሓታት ከም ዘይህሉ ከም እትፈልጥዎ፡ ንዚኵሉ ተግባራት ብምፍሻልን ኣብ ጐኒ‘ቲ ዝጭቘንን ዝግፋዕን ዘሎ ኤርትራዊ ሎሚ‘ውን ከም ቀደም ቃልስና ዝነዓቕ ከም ዘይኰነ ንምርኣይን ናይ ቃልሲ ሸውሃትን ሞራልን ህዝብና ከም ዝዓዝዝ ንምግባርን፡ ከካብ ዘሎናዮ ብብዝሒ ከም ንመጽእ ንምግባር ተዓጢቕክንን ተዓጢቕኩምን ከም ዘሎኻትኩም ንኣምን።

 

ካብ‘ዚ ብምንቃል ድማ ነፍሲ ወከፍና፡ ተቓውሞና ንምስማዕ ካብ ዘዘሎናዮ ከተማታትን ዓድታትን ኣቓልቦናን መደብናን ናብ ኒደራድ ባንሆፍ ፍራንክፎርት ንምምጻእ ክኸውን ንላቦ።

 

ንዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ክሳዕ ተወሳኺ ስልኪ ቍጽሪ ዝርከብ 015 772 599 572 ኣሎኩም።

 

 

 

ሽማግለ  ሰላማዊ ሰልፊ

 

 

ማሕበራት ደቀንስትዮን መንእሰያትን

በርጌሳውያንን ፖለቲካውያንን ውድባትን ኤርትራ

ኣብ ሃገር ጀርመን

 

 

ካርልስሩሀ 18.03.2012

 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top