ንኻልአይ ሰልፋዊ ጉባኤ እተዳልው አሰናዳኢት ሽማግለ ስርሓ ጀሚራ

ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ አብ’ቲ  አብ ዕለት 21/2/2012  ዝገብሮ አኼባ፡ ንኻልአይ ሰልፋዊ ጉባኤ እተዳሉው  አሰናዳኢት ሽማግለ ድሕሪ ምምዛዙ  ፡ እታ ዝተመዘዘት ሽማግለ  አብ ዕለት 11/3/2012  ፈላሚ አኼባአ አካይዳ ።

እታ ሽማግለ አብ አኼባአ ብናይ ግዜ ሰለዳ ዝተሰነየ መደብ ዕዮ ብምድላው ፡ ጂኦግራፍያዊ አቀማምጣ ድሕረባይታ ዝገበረ ናይ ጨናፍር ሽማግለታት አቊማ። ብምቕጻል  አብ ዕለት 16/3/2012  ምስ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ አኼባ ብምግባር፡  እቲ ዘዳለወቶ መደብ ዕዮ ብአቦመንበር  ናይ’ታ ሽማግለ ብኢንጂነር ኢድሪስ  ኑር ድሕሪ ምንባቡ ፡ አባላት ማእከላይ መሪሕነት ብወገኖም እቲ ዝቐረበ መደብ ዕዩ ቅቡልን ጽፉፍን ምዃኑ ብምግላጽ፡ አሰናዳኢት ሽማግለ ከምቲ መደብ ዕዮ ንምንዳፍ ዝተወፈቐት ፡ ኩሉ መደባታ አብ ተግባር ንምውዓሉ’ ውን ንኽትውፈቕ ዘለዎም ትምኒት ገሊጾም። ቀጺሎም’ውን መደባት ናይ አሰናዳኢት ሽማግለ ምዕዋት  ሓላፍነት ናይ ኩሉ አባል ሰልፊ ከም ምዃኑ መጠን ፡አባላት ማእከላይ መሪሕነት ኩሉ ካብኦም ዝድለ ዘበለ ክገብሩ ማዃኖም ቃል አትዮም ።

አባላት አሰናዳኢት ሽማግለ ብወገኖም  ፡ አባላት ማእከላይ መሪሕነት ስለ’ቲ አብ ልዕሊኦም ዘንበርዎ እምነትን ፤ ዘርአይዎ ምትሕብባርን ድሕሪ ምምስጋን ፡ እቲ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ንምዕዋት ኩሉ ዝከአሎም ዘበለ ክገብሩ ምዃኖም ብምሕባር ፡ ኩሉ አባል ሰልፊ መደባት አሰናዳኢት ሽማግለ ንምዕዋት ክሰርሕን ክተሓባባርን ጸዊዖም።

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ክፍሊ ዜና  19/3/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6807

Posted by on Mar 26 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net