News

ንኻልአይ ሰልፋዊ ጉባኤ እተዳልው አሰናዳኢት ሽማግለ ስርሓ ጀሚራ

ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ አብ’ቲ  አብ ዕለት 21/2/2012  ዝገብሮ አኼባ፡ ንኻልአይ ሰልፋዊ ጉባኤ እተዳሉው  አሰናዳኢት ሽማግለ ድሕሪ ምምዛዙ  ፡ እታ ዝተመዘዘት ሽማግለ  አብ ዕለት 11/3/2012  ፈላሚ አኼባአ አካይዳ ።

እታ ሽማግለ አብ አኼባአ ብናይ ግዜ ሰለዳ ዝተሰነየ መደብ ዕዮ ብምድላው ፡ ጂኦግራፍያዊ አቀማምጣ ድሕረባይታ ዝገበረ ናይ ጨናፍር ሽማግለታት አቊማ። ብምቕጻል  አብ ዕለት 16/3/2012  ምስ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ አኼባ ብምግባር፡  እቲ ዘዳለወቶ መደብ ዕዮ ብአቦመንበር  ናይ’ታ ሽማግለ ብኢንጂነር ኢድሪስ  ኑር ድሕሪ ምንባቡ ፡ አባላት ማእከላይ መሪሕነት ብወገኖም እቲ ዝቐረበ መደብ ዕዩ ቅቡልን ጽፉፍን ምዃኑ ብምግላጽ፡ አሰናዳኢት ሽማግለ ከምቲ መደብ ዕዮ ንምንዳፍ ዝተወፈቐት ፡ ኩሉ መደባታ አብ ተግባር ንምውዓሉ’ ውን ንኽትውፈቕ ዘለዎም ትምኒት ገሊጾም። ቀጺሎም’ውን መደባት ናይ አሰናዳኢት ሽማግለ ምዕዋት  ሓላፍነት ናይ ኩሉ አባል ሰልፊ ከም ምዃኑ መጠን ፡አባላት ማእከላይ መሪሕነት ኩሉ ካብኦም ዝድለ ዘበለ ክገብሩ ማዃኖም ቃል አትዮም ።

አባላት አሰናዳኢት ሽማግለ ብወገኖም  ፡ አባላት ማእከላይ መሪሕነት ስለ’ቲ አብ ልዕሊኦም ዘንበርዎ እምነትን ፤ ዘርአይዎ ምትሕብባርን ድሕሪ ምምስጋን ፡ እቲ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ንምዕዋት ኩሉ ዝከአሎም ዘበለ ክገብሩ ምዃኖም ብምሕባር ፡ ኩሉ አባል ሰልፊ መደባት አሰናዳኢት ሽማግለ ንምዕዋት ክሰርሕን ክተሓባባርን ጸዊዖም።

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ክፍሊ ዜና  19/3/2012

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top