ነዚ ሎሚ ቕነ ብዝተፈላለየ መርበብ ሓበሬታት ክነፍስ ዝቐነየ ሞት ኢሰያስ አፈወርቂ ብዝምልከት ዝወጸ መግለጺ


ክፍሊ ዜና
ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ
25ሚያዝያ 2012
እዚ አብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንገዲ ቡዙሃን መራኸቢታት ክናፈስ ዝቐነየ ዝተዋቐዐ ሓበሬታታት ኢሰያስ ሞይቱ ወይ ብጹኑዕ ሓሚሙ ናብ ቐጠር ወይ ናብ ሱዑድያ ወይ ዱባይ ከይዱ ዝብሉ ዘይተራጋገጹ ሓበሬታታት ክንሰምዕ ቐኒና፡ እዚ ወረ›ዚ ግን ካብ መሰረቱ ዘይቁኑዕ ወረ ምኻኑ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ክንገልጽ ንፈቱ፡፡ እቲ ንአስታት 35 ዓመታት ንጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ክሓላልኽ ዝጸነሐ ጉጅለ ኢስያስን ሰዓብቶምን ዝመሃዝዎ ፈጠራታትን አሊኾም ጠጂኢም ብመንገዲ ዋህየታቶም ዝፈነዉዎ ሓበሬታ ምኻኑ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሞት ኢስያስ ክርበሓሉ ዝኽእል ወላሓንቲ የለን፡ እቲ ምንታይሲ እዚ ንነዊሕ ዓመታት አብ ኮሮቻ ስልጣንን ንኽጸንሕን ህዝቢ ኤርትራ ከባሳብስን ከንበርክኽን ዝቖመ ትካል ካብ ሱር መሰረቱ ምስ ዝብንጠስን መሰላት ህዝባ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተረጋገጸላ ሃገር ምስ ትምስረትን ጥራሕ ኢዩ ህዝብና ክረብሕ ዝኽእል>ሞ ካብዚ ሓበሬታ›ዚ ዝተረኸበ ነገር እንተሎ ህዝብና አብ ልዕሊ›ቲ ስርዓት ዘሕደሮ ጽልኣት ንምግማቱ›ካ ዘጸግም እንተዘይነበረ እዚ ናይ ሎሚ ቕነ ዝተናፈሰ ሓበሬታ ግን ንምልክዑ ሓጊዙ ክኸውን ይኽእል፡፡ እንተ እዘን ነዚ ሓበሬታ›ዚ ካብ ውሽጢ ሃገር ረኺብና ኢለን ሓበሬታ ከናፍሳ ዝቐነያ መርበብ ሓበሬታት ግን ነቲ ጉጅለ ኢስያስ ዝመሃዞ ፈጠራን ዘጻወዶ መጻወድያ ሰኪዔት አትየን ነቲ ዝተደለየ ዉዲት ኩዉን ገረነኦ አለዋ፡፡ በዚ አጋጣሚ›ዚ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ሰሙን ዝአክል ከሀንጡ ዝጸነሔ ሓበሬታ ጹቡቕ ፋል ክኸውን ዝኽእል ኢስያስን ንሱ ዝመርሖ ትካል ምስ ዝድምሰሰን ጥራሕ ኢዩ›ሞ ነዚ ትካል›ዚ ንኽድምሰስ ክንድ›ቲ አብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዋሃቦ ትክረትን አቓልቦን ሞት ኢስያስ ክንድኡ ዝአክል ተገዳስነት ነዚ ትካል›ዚ ንምድምሳስ ምስ ንብገስ ጥራሕ ኢና ኩዉን ክኸውን ዝኽእል ኢሉ ውድብና ይኣምን፡፡

Red Sea Afar Democratic Organization, Info.&Comm.Office
+251923705412(telephone)+251922177035 (telephone) +251912097006 (telephone), Email: rsado98@yahoo.com, Website: – www.dahlak.org

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6956

Posted by on Apr 27 2012 Filed under News, Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net