ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብዘይዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ካብ መጀመሪያ ናጽነት ኣትሒዙ ስልጣን ሒዙ ፍጹም ምልካዊ ኣገዛዝኣ ተኺሉ ህዝብን ሃገርን ዘብርስ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ብሰንክቲ ብውሽጥን ብደገን ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ፖሊሲታቱን ተግባራቱን ናብ ውድቀቱ ተገማጊሙ ኣሎ። በዚ መሰረት ኤ.ዲ.ኪ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ተኣፋፊ ፖለቲካዊ ኩነታት ክከታተሎ ብምጽንሑ ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ መጠን ነዚ ዝስዕብ የረጋግጽ።

• ኤ.ዲ.ኪ ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓት ህግደፍ ብዝኾነ መንገዲ ንምጽጋን ዝግበር ፈተነታት ብምንጻግ እቲ ፍታሕ ካብ ስሩ ንምምሓው ብሃናጺ ዲሞክራሲያዊ ዘተ ኩሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘሳተፈ ስልጣን ናብ ህዝቢ ንምርካብ የኣምን።
• ኤ.ዲ.ኪ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምቅልጣፍ ንኩሎም ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ክስለፉን ካብኦም ዝጥለብ ሃገራዊ ተራኦም ክጻወቱን ርግኣትን ጸጥታን ክሰፍን ክሰርሑ፣ ኣብ መንጎ ኣካላት እቲ ስርዓት ዝህሉ ግርጭት መሳርሒ ካብ ሙኻን ክቁጠቡን ይጽውዕ።
• እቲ ንኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር እቲ ጨፍጫፊ ስርዓት ንምግጣም ክብድህን ይጽውዕ፡ ከምኡውን ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ገድላዊ ተራኡን ሃገራዊ ሓድነቱን ከዕዝዝን ይጽውዕ።
• ኤ.ዲ.ኪ. ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ሓይልታት ኤርትራ ካልኣዊ ፍልልያቶም ንጎኒ ገዲፎም ሓድነቶም ብምዕዛዝ ንጹር ስትራቴጂ ብምቅማጥ ኣብ ውሽጢ ዝነሃሃር ዘሎ ለውጢ ክገጥም ይጽውዕ።
• ኤ.ዲ.ኪ ንጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ንዘካይዶ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ክሕግዙ ይጽውዕ፡
• ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ንዝርከቡ ተቃለስቲ መሰረታቱ ገድላዊ ድልውነቶም ክብ ብምባል ኣብ ኤርትራ ዝርኤ ዘሎ ኩነታት ናብ ረብሓ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምውዓል ክጽዕሩ ይጽውዕ፡፡

ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት
ኤ.ዲ.ኪ
26 ሚያዝያ 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6962

Posted by on Apr 28 2012 Filed under News, Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net