NewsPress release

ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብዘይዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ካብ መጀመሪያ ናጽነት ኣትሒዙ ስልጣን ሒዙ ፍጹም ምልካዊ ኣገዛዝኣ ተኺሉ ህዝብን ሃገርን ዘብርስ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ብሰንክቲ ብውሽጥን ብደገን ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ፖሊሲታቱን ተግባራቱን ናብ ውድቀቱ ተገማጊሙ ኣሎ። በዚ መሰረት ኤ.ዲ.ኪ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ተኣፋፊ ፖለቲካዊ ኩነታት ክከታተሎ ብምጽንሑ ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ መጠን ነዚ ዝስዕብ የረጋግጽ።

• ኤ.ዲ.ኪ ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓት ህግደፍ ብዝኾነ መንገዲ ንምጽጋን ዝግበር ፈተነታት ብምንጻግ እቲ ፍታሕ ካብ ስሩ ንምምሓው ብሃናጺ ዲሞክራሲያዊ ዘተ ኩሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘሳተፈ ስልጣን ናብ ህዝቢ ንምርካብ የኣምን።
• ኤ.ዲ.ኪ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምቅልጣፍ ንኩሎም ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ክስለፉን ካብኦም ዝጥለብ ሃገራዊ ተራኦም ክጻወቱን ርግኣትን ጸጥታን ክሰፍን ክሰርሑ፣ ኣብ መንጎ ኣካላት እቲ ስርዓት ዝህሉ ግርጭት መሳርሒ ካብ ሙኻን ክቁጠቡን ይጽውዕ።
• እቲ ንኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር እቲ ጨፍጫፊ ስርዓት ንምግጣም ክብድህን ይጽውዕ፡ ከምኡውን ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ገድላዊ ተራኡን ሃገራዊ ሓድነቱን ከዕዝዝን ይጽውዕ።
• ኤ.ዲ.ኪ. ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ሓይልታት ኤርትራ ካልኣዊ ፍልልያቶም ንጎኒ ገዲፎም ሓድነቶም ብምዕዛዝ ንጹር ስትራቴጂ ብምቅማጥ ኣብ ውሽጢ ዝነሃሃር ዘሎ ለውጢ ክገጥም ይጽውዕ።
• ኤ.ዲ.ኪ ንጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ንዘካይዶ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ክሕግዙ ይጽውዕ፡
• ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ንዝርከቡ ተቃለስቲ መሰረታቱ ገድላዊ ድልውነቶም ክብ ብምባል ኣብ ኤርትራ ዝርኤ ዘሎ ኩነታት ናብ ረብሓ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምውዓል ክጽዕሩ ይጽውዕ፡፡

ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት
ኤ.ዲ.ኪ
26 ሚያዝያ 2012

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top