NewsNotices

ሓበሬታ ንኽልኹም ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ተቐማጦ ሃገረ ስዊድን ስቶክሆሎምን ከባቢአን

ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ህዝብና ነቲ ብመስዋእትን ስንክልናን አሽሓት ደቁ ህያው ዝኾነ መዓልቲ ናጽነት ንምዝካር አብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ ግዜ በቲ ካልእ ወገን ድማ ባህግናን ትምኒትናን ተጨዊዩ ኤርትራዊ አብ ገዛእ ሃገሩ ሰብኣዊ ክብሩ ተገፊፉ አደዳ ግፍዕን ማእሰርትን ስደትን ብምኻን ንኽትሰምዖን ንኽትሪኦን ዘሰንብድ ጭካነ ዝመልኦ አዚዩ ዘስካሕክሕ ግፍዒ አብ ልዕሊ የሕዋትናን አሓትናን ክወርድ አብ እንዕዘበሉ ዘሎና እዋን ናይ እዚ ኩሉ ስዕቤን ጠንኪ ድማ እቲ ኮረሻ ስልጣን ጨቢጡ ብሓይሊ ዝገዝእ ዘሎ ሰብ መሰል አራዊት ስርዓት ህግደፍ ምኻኑ ሎሚ ካብ ዝኾነ ፍጡር ዝተኸወለ አይኮነን።
ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ነቲ ን21 ዓመት ድሕሪ ናጽነት ንህዝብና ብዘይ ንሕስያ መዘና አልቦ ግፍዕን ጭቆናን ዘውርደሉ ዘሎ ስርዓት ብሓባር ይአክል እንብለሉ ግዜ ስለዝአኸለ ኩሉ ኤርትራዊ አብ መላእ ዓለም ዘሎ በዛ ታሪኻዊት መዓልቲ አብ ቀጽሪታት ቤትጽሕፈትን ኤምባስታት ህግደፍን ድምጺ ውጹዕ ህዝብና ንምስማዕ ብዓውታ ዝጭድረላ መዓልቲ ክትከውን ተወሲና ስለዘላ፡ ንሕና እውን አካል ናይዚ ሕብረተሰብ ስለዝኾና አብ ስቶክሆሎምን ከባቢአን እንርከብ፡
ንዕለት 25 ግንቦት 2012
ሰዓት 13.00–16.00
ቦታ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ስቶክሆሎም/Lidingö
ሰለማዊ ሰልፊ ክንገብር ምኻና ብአኽብሮት እናዓደምና ኩሉ አብ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ግዝአተ ሕግን ዝአምን ድማ ምሳና ሓቢሩ ክውዕል ተሪር ምሕጽንታ ነቕርብ።

ቀጺልና ንዝኽርን ክብሪን ንታ ከቢድ መስዋእቲን ስንክልናን ዝተኽፍለላ 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስ ኩሎም መሓዙትን ፈተውትን ሓቢርና
ቀዳም 26 ግንቦት 2012
Time ካብ ሰዓት 18.00 –03.00
Place: Omega Resaurant-Armegatan 40- T- bana Västraskogen
ናይ ወጋሕታ ዝተፈላለዩ መደባት ከም ፓነል ዝርርብ ከምኡ እውን ንዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ዘንጸባርቑ ሓያላት ስነጥበባውያን ከዘናግዑና ተቐሪቦም ከምዘለዉ እናሓበርና ምሳና ሓቢርኩም ክትዘናግዑ ደጊምና ብኽብሪ ንዕድም።

ኣዳለውቲ
ሕብረት ኤርትራውያን/SESADU ምስ ማሕበር መንእሰያት ኣብ ስቶክሆልም።
ብድሓን ምጹ

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top