ሓበሬታ ንኽልኹም ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ተቐማጦ ሃገረ ስዊድን ስቶክሆሎምን ከባቢአን

ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ህዝብና ነቲ ብመስዋእትን ስንክልናን አሽሓት ደቁ ህያው ዝኾነ መዓልቲ ናጽነት ንምዝካር አብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ ግዜ በቲ ካልእ ወገን ድማ ባህግናን ትምኒትናን ተጨዊዩ ኤርትራዊ አብ ገዛእ ሃገሩ ሰብኣዊ ክብሩ ተገፊፉ አደዳ ግፍዕን ማእሰርትን ስደትን ብምኻን ንኽትሰምዖን ንኽትሪኦን ዘሰንብድ ጭካነ ዝመልኦ አዚዩ ዘስካሕክሕ ግፍዒ አብ ልዕሊ የሕዋትናን አሓትናን ክወርድ አብ እንዕዘበሉ ዘሎና እዋን ናይ እዚ ኩሉ ስዕቤን ጠንኪ ድማ እቲ ኮረሻ ስልጣን ጨቢጡ ብሓይሊ ዝገዝእ ዘሎ ሰብ መሰል አራዊት ስርዓት ህግደፍ ምኻኑ ሎሚ ካብ ዝኾነ ፍጡር ዝተኸወለ አይኮነን።
ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ነቲ ን21 ዓመት ድሕሪ ናጽነት ንህዝብና ብዘይ ንሕስያ መዘና አልቦ ግፍዕን ጭቆናን ዘውርደሉ ዘሎ ስርዓት ብሓባር ይአክል እንብለሉ ግዜ ስለዝአኸለ ኩሉ ኤርትራዊ አብ መላእ ዓለም ዘሎ በዛ ታሪኻዊት መዓልቲ አብ ቀጽሪታት ቤትጽሕፈትን ኤምባስታት ህግደፍን ድምጺ ውጹዕ ህዝብና ንምስማዕ ብዓውታ ዝጭድረላ መዓልቲ ክትከውን ተወሲና ስለዘላ፡ ንሕና እውን አካል ናይዚ ሕብረተሰብ ስለዝኾና አብ ስቶክሆሎምን ከባቢአን እንርከብ፡
ንዕለት 25 ግንቦት 2012
ሰዓት 13.00–16.00
ቦታ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ስቶክሆሎም/Lidingö
ሰለማዊ ሰልፊ ክንገብር ምኻና ብአኽብሮት እናዓደምና ኩሉ አብ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ግዝአተ ሕግን ዝአምን ድማ ምሳና ሓቢሩ ክውዕል ተሪር ምሕጽንታ ነቕርብ።

ቀጺልና ንዝኽርን ክብሪን ንታ ከቢድ መስዋእቲን ስንክልናን ዝተኽፍለላ 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስ ኩሎም መሓዙትን ፈተውትን ሓቢርና
ቀዳም 26 ግንቦት 2012
Time ካብ ሰዓት 18.00 –03.00
Place: Omega Resaurant-Armegatan 40- T- bana Västraskogen
ናይ ወጋሕታ ዝተፈላለዩ መደባት ከም ፓነል ዝርርብ ከምኡ እውን ንዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ዘንጸባርቑ ሓያላት ስነጥበባውያን ከዘናግዑና ተቐሪቦም ከምዘለዉ እናሓበርና ምሳና ሓቢርኩም ክትዘናግዑ ደጊምና ብኽብሪ ንዕድም።

ኣዳለውቲ
ሕብረት ኤርትራውያን/SESADU ምስ ማሕበር መንእሰያት ኣብ ስቶክሆልም።
ብድሓን ምጹ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7021

Posted by on May 10 2012 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net