ኣብ ሆላንድ ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይድዩ።


ትማሊ ቀዳም ዕለት 12/05/2012 ኣብ ከተማ ሮተርዳም ብኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተመርሔ ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣዚ ኣርባዕተ ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተሳተፍዎን ዝመርሕዎን ሰፍሕ ህዝባዊ ኣኼባ ናይ እንቃዕ ደሐን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምቅራብ፡ኣብ ቃልሲና ንመጀመርያ ግዜ ኣንጻር ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ሰፍሕ ህዝባውን ሕጋውን ሰረት ዘለዎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ህዝባዊ ተሳትፎ ንምርግጋጽ ኣብ ኩለን ዞባታት ብመደብ ተታሒዙ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ሐቢሮም።እዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ኣካል ናይዚ መደባት ምኽኑን ናይ ኣኼባ ቀንዲ መጸውዒ ዛዕባን ዕላማታቱን ብሰፍሑ ኣብሪሆም።

እዚ ካብ ኩሉ ጽፍሕታት ሕብረተ-ሰብን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን፤ሲቪካዊ ማሕበራት፤መንእሰያት፤ደቂ-ኣንስትዮ፤ገዳይም ተጋደልትን ዝተሳተፍዎ ሰፍሕ ህዝባዊ ኣኼባ፡ብአባላት ባይቶ ዝቀረበ ህዝባዊት ሽማግለ ምቃም ዝብል ሐሳብ ንጽባሕ ይጽናሐልና ዘይባሃል እዋናዊ ዕማምን ቅቡል ምኻኑ ርእዮም። ብኡ መሰረት ድማ ሐምሽተ ቀወምትን ክልተ ተጠባበቅቲ ጠቅላላ ብሸውዓተ ኣባላት ዘለውዋ ሸማግለ ብደሞክራስያዊ መገዲ ካብ መንጎኦም መሪጾም።

ኣስማቶም አባላት ሽማግለ ጨንፍር ሆላንድ ድማ፡

1 ሃብተ ዑ/ሚካኤል
2 አሕመዲን ዓ/ቃድር
3 ሂወት ዮውሃንስ
4 ተረዛ ሽበርም
5 ኣበድ ተስፍይ

ተጠባበቅቲ
6 ስዩም ወ/ትንስኤ
7 ሰዒድ ዓብደላ

አብዚ ተዋህብዎም ዘሎ ዓቢ ህዝባዊ ሐደራ ድማ ህዝቢ ሰናይ ትምኒቱን ምሉእ ናይ ስራሕ ምትሕብባር ድላውነቱን ኣረጋጊጽሎም ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ መንነትን ተግባራትን ፍሽስታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንማህበረ-ሰብ ዓለም ንምቅላዕን፡ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ኣብ ቃልሲ ርሱን ተሳትፎ ክህልዎ ንምግባር እቲ ስርዓትን መራሒኡ ኢሰያስ ኣፍውርቂን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብጠቅላላ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ዝፍጽሞዋ ዘሎው ገበን ተሐታቲ ምኻኖም ዘቃልዕ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝግበር ዘሎ ምቅርራብ ብምድጋፍ፡ ኣብ ሆላንድ ነዚ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ መደብ እትትግብር ሽማግለ ኣቅሞም።ንምትግባሩ ድማ ካብ ህዝቢ ሽዑ ንሽዑ ንመሳለጢ ዝኸውን ገንዘብ ተዋጺኡ።

እታ ሽማግለ ብዝተዋህባ ሓላፍነት መሰረት፡ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ዘድሊ መደባት ሐንጽጻን ካብ መንግስታዊ ትካለት ሆላንድ ሰላማዊ ሰልፍ ንምክያድ ናይ ፍቃድ ወረቀት ድሕሪ ምውጻእ ኣብ ኣተገባብርኡ ዝምልከት ናይ ስራሕ ምምቃልን ኣድላይ ቅድመ ምድላዋት ንምክያድ ንዕለት 19-05-2012 ቀዳም ልክእ ሰዓት 14፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ልሙድ ህዝባዊ አኼባ ዝካየደሉ ቦታ፡ Gerarde scholeten str, 128 Rotterdam ሰፍሕ ህዝባዊ ኣኼባ ክተካይድ ወሲና አላ።ነቶም ኣብ ኣኼባ ዝነበርና ድማ በብመገድና ንዝሰፍሔ ህዝቢ ኣብዚ ዕለት 19-05-2012 ንሰላማዊ ሰልፍ ዘድሊ ምድላዋት ንምግባር ክሳተፉ ከም ዘለዎም ክንሕብር ከም ዝግባእ ተላብያ፡፡

እዚ እነቢ ብፍሽስታዊ ስርዓት አይንግዛእን፡ ዕድመ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ
ከብቅዕ አሎዎ፡ ብምባል ሐሪኑ ዝተላዕለ ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰፍሕ ህዝባዊ ኣኼባ፡ዝላዓለ ወኒ ናይ ቃልሲን ድልውነትን ኣረጋጊጽ ዝወጸሉ ዕውት ኣኼባ እዩ ነሩ።

ብሓባር ምእንቲ ምርግጋጽ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንቃለስ!

ህዝባዊ ቃልሲ ክዕወት`ዩ!
ዝኽሪ ንሰማእታት

ህዝባውን ማሕበራውን ሽማግለ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ዞባ ኤውሮጳ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7037

Posted by on May 14 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net