ሰላማዊ ሰልፊ

ን25 ግንቦት ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት (ኒደራድ)
ህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሰብኣዊ ክብሩ ተገፊፉ ኣደዳ ግፍዕን ማእሰርትን ስደትን ብምዃን ብዘሰንብድ ጭካኔ ዝመልኦ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እና ወረደ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ሎምስ ኵልና ብሓባር ይኣክል ንግፍዕን ጭኰናን ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘይንብለሉ ምኽንያት የለን።
ህዝብና፡ ነቲ ብመስዋእትን ስንክልናን ኣሽሓት ደቁ ህያው ዝኾነ ናጽነት፡ ኣብ ክንዲ ብሰላም ሓጎስን ዘኽብር፡ ሰብኣዊ ክብሩ ተገፊፉ ኣደዳ ግፍዕን ማእሰርትን ስደትን ብምዃን፡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምልኪ ህግደፍ ይሳቐ ምህላዉ ሎምስ ካብ ነፍሰወከፍ ክርኢ ዝደለ ኤርትራዊ ባእታ ዝተኸወለ ኣይኰነን።
ነቲ ን21 ዓመት ድሕሪ ናጽነት ንህዝብና ብዘይ ንሕስያ መዘና አልቦ ግፍዕን ጭቆናን ዘውርድ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ብሓባር ይአክል እንብለሉ ግዜ ስለዝአኸለ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኣብዛ ታሪኻዊት መዓልቲ እዚኣ ድምጺ ውጹዕ ህዝብና ንምስማዕ ብዓውታ ዝጭድረላ ክትከውን ተወሲና ኣላ።
ንዓርቢ ዕለት 25 ግንቦት 2012 ሰዓት 11፡00 ሰላማዊ ሰልፊ መዲና ኣሎና።
እንራኸበሉ ቦታ ባንሆፍ ኒደራድ (ፍራንክፎርት) ሰዓት 10፡00 ይኸውን።
ኩሉ ኣብ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ግዝኣተ ሕግን ዝኣምን ኤርትራዊ ምሳና ሓቢሩ ክውዕል ንጽውዕ።

ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ
ማሕበራት ደቀንስትዮን መንእሰያትን
በርገሳውያንን ፖለቲካውያን ወድባትን ኤርትራ
ኣብ ሃገር ጀርመን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7046

Posted by on May 17 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net