ናይ ሓደራ መልእኽቲ

ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ

ናብ መላእ ናይ ተቓውሞ ሓይሊታት

ናብ መላእ ደለይቲ ለውጢ መን እሰያት ኤርትራ

ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ዓመት-መጸ ብምኽኒያት መዓልቲ ናጽነት ኣብ ውሽጢ ሀገርን ደገን ፈስቲቫላት ከምዘካይድ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ብፍላይ ከኣ ን ኣብ ወጻእ ዝነብር ህዝቢና ፡ ነቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን መከራን ፡ ከም መርኣያ ተቓውሞኡን ቁጥዐኡን ፡ ነዚ ብህግደፍ ክግበር ተወጢኑ ዘሎ ፈስቲቫል ንኸይሳተፎ ከፍሺሎን ሓደራ ንብል ፡፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ መጠን ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገሩ ብሰላምን ርግኣት ዝነብር፡ ንብሰንኪ ህግደፍ ገሊኡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ፡ ገሊኡ ድማ ኣብ ፈቐዱኡ ፋሕ ኢሉ አናጠሳቐየ እንከሎ ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ጎኒ ህዝቢና ብምዃን ነቲ ዓማጺ ስርዓት ንቃወሞን ንኣልዮን ፡ ነቲ ዓማጺ ከነጣቓዓሉን ኣጆኻ ክንብሎን ንጹህ ኤርትራዊ ሕልና ስለዘይቅበሎ፡፡

ኩለን ናይ ተቓውሞ ሓይሊታት ውን ብወገነን ፡ ኩሉ ዓቕሚታተን ኣወሃሂደን ነዚ ክግበር ተወጢኑ ዘሎ ፈስቲቫላት ንምፍሻሉ ኣበርቲዔን ክሰርሓን፡ ተነጽሎ ህግደፍ ብዘረጋግጽ መንገዲ ንህዝቢ ሓበሬታ ብምሃብ ፡ አዚ ዝግበር ዘሎ ፈስቲቫላት፡ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ንምድንጋርን ፡ ብህዝቢ ንኽፍቶን ዕድሜኡ ንምንዋሕን ዝጥቐመሉ ተንኮለኛ ሜላ ምዃኑ ንህዝቢ ከብርሃሉን ክሕብረኦን ሓደራ ንብል፡፡

መንእሰያት ኤርትራ ውን ናይ ለውጢ መንኮርኮር ከም ምዃኖም መጠን ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መዛኑኦም ኤርትራውያን መንእሰያት ብህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን ፡ ነቲ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ሃገር ስደት ኣብ ሰሃራ ሲና ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ መጭወይቲን ፡ ኣካላቶም ቦንቂስካ ምሻጥን ፡ ብምቅዋምን ንቶም ስጋብ ሕጂ ወግሔ ጽብሔ ዓይኖም ንብዓት ዘይተፈልዮ ኤርትራውያን ወለዲ ንምድባስ ፡ ነዚ ክግበር ተወጢኑ ዘሎ ፈስቲቫል ናይ ህግደፍ ካብ ምስታፉ ክቑጠቡን ፡ ንምፍሻሉ ሓቢሮም ክሰርሑን ሕልናዊ ሐደራና ነቕርብ፡፡

ናይ ህግደፍ ፈስቲቫል ምፍሻል፡ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ብሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ ኤርትራዊ አዩ፡፡

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

15/5/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7117

Posted by on May 26 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net