ነቲ ካብ ዕለት 25 ግንቦት ጀሚሩ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝካየድ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍን ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ኮንፈረንስን ፡ ናይ ደገፍ መግለጺ ብደግሓኤ ዞባ ኣመሪካ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ፡ መንእሰይ ወለዶ ክኣ ብፍላይ፡ ኣብ መግዛእታዊ ታሪኽ ሃገሩ ተወዳዳሪ ዘይብሉ፡ ናይ ህግዲፍ ናይ ጥፍኣትን ብርሰትን ጥቑዕ ኰይኑ፡ ንሕብረተ ሰብ ዓለም ብዘደንጹ መልክዑ ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን፡ ንስርዓት ህግዲፍ ካብ ስሩ ቦርቚቑ` ብምድርባይ ፡ ሰብኣዊ መሰላ ዝተሓለወ ርግእቲ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምህናጽ፡ ካብ ማንም ግዜ ናይ ቃልሲ ታሪኹ ንላዕሊ ተጠርኒፉ ይምክት ብምህላዉ ፡ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ደረጃ ናይ ውድቀት ጻዕረሞትበጺሑ ትልኽ ክብል ይርከብ።
መንእሰይ ኤርትራ ብፍላይ ፡ ከምኣዝዩ ዝተጠቕዐ ኣካል ናይ ሕብረተ ሰብና መጠን ፡ ስደት መፍትሒ ሽግራቱ ከምዘይኰነ ብምርኣይ ፡ ደራኺ ሓይሊ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ጸረ ህግዲፍ ቃልሲ ብምዃን ፡ ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ዓለም ከካይዶ ዝጸንሐን
ዘሎን ሰላማዊ ሰልፍታትን ካልእ መልክዕ ናይ ቃልስን ብዝያዳ እንዳነሃረን እንዳጕሃረን ክኸይድ ምትብባዕን ምድግጋፍን ክግበረሉ ፡ ደግሓኤ ዞባ ኣመሪካ እምነቱን ተወፋይነቱን ይገልጽ። ኣብቲ ንዕለት 25 ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ተመዲቡ ዘሎ ዓብይ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ከምኡ`ውን ብድሕሪኡ ዘሎ መዓልትታት ዝቕጽል ናይ መንእሰያት ምጥርናፍ ኮንፈረንስ፡ ዕውትን
ኣድማዕን ዝዀነ ዲሞክራሲያዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኰይኑ ክወጽእ፡ ኣባላት ደግሓኤ ዞባ ኣመሪካ፡ ዘድሊ ምትሕብባርን ተወፋይነትን ከርእዩ ከምዝጸንሑን ጌና ክቕጽልዎ ምዃኖምን በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ፡ የረጋግጹ። መንእሰያት ካብቲ ንቓልስና ዝሓላልኾ ዘሎ፡ ብናይ ጽበት ፡ ትምክሕትን በለጽን ስምዒታትን ጠቕምን ዝቃናዕ ፡ ኣረኣእያታትን ኣገባብ ቃልስን ነጻ ዝዀነ፡ ንኹሉ ዓይነት ግርጭታትን ፍልልያትን ናይ ሕብረተሰብና ከምኒ ሃይማኖት፡ብሔር፡ ጾታ፡ ዕድመ፡ ትምህርቲ፡ ደርቢ..
ወዘተ፡ ኣሳታፍን ሓቛፍን ብዝዀነ ዲሞክራሲያዊ መደባትን ውሳነታትን ክወጹ ጸዋዒቱ የቕርብ። መንእሰይ ፡ ኣድማዒ ሓይሊ ናይ ቃልስን ብቑዕ ወራሲ ናይቲ ቅድሚኡ ዘሎ ወለዶን ክኸውን ምእንቲ፡ ምስ ኣለዋ ዝብሃላ፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ምንቅስቓሳት፡ ሲቪክ ይኹና ሰብኣዊ መሰል ማሕበራትን፡ ኣገደስቲ ውልቀሰባትን…ወዘተ ብምርኻብ ፡ ተመኵሮአን ክቕስምን፡ እንታይነት መደብ ዕዮአንን ኣረኣእየአንን ክመዝንን፡ ምስ ዝምልከተን ኣካላት ክከታዓሉን ፡ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ይመስለና። ዘይተወደበ ኣካል ሕብረተ ሰብ ፡ ግዙእ ናይ ትምኒትን ኮለልን ካብ ምዃን ሓሊፉ ፡ ምንም ከፍሪ ስለዘይክእል ፡ ንዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባት ክፍትሽ፡ ክመሚ፡ ክፈልጠን፡ ከጽንዐን፡ ክተሓጋገዘን፡ ክደፍአን፡ ክጸልወን፡ክሕወሰን፡ ክሓቝፈን ፡ክመርሐን…ወዘተ፡ እቲ መንእሰይ ከዐውቶ ዝኽእል ፡ እንኮ ቅኑዕ መንገዲ ምዃኑ፡ ንኣምን። ብርእይቶና፡ መንእሰይ፡ ኣድማዒ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኰይኑ ክቕጽል ምእንቲ፡ ብኣረኣእያን ብተግባርን ንናይ ሰፊሕ ህዝቢ ዲሞክራሲያዊ ስነሓሳብን መትከልን ከም ናይ ዕላምኡ መምርሕን ናይ ቃልሱ መሳርሒኡን ወሲዱ፡ ተወዲቡ ምስ ዝምርሽ፡ ነቲ ኩሉ ዓቕልኻ ዘጽብበልካ፡ ናይ በይነይን ንዓይ ጥራሕን ፡ ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ናይ ሆሆን ሃዶሽዶሽን ኣሰራርሓታትን ብቐሊሉ ክምክቶ ከምዝኽእል፡ ዘለዎ ምትእምማን ሰፍ ዘይብል ምዃኑ ክሕብር ይፈቱ።
ደግሓኤ – ዞባ ኣመሪካ
5-24-12

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7119

Posted by on May 26 2012 Filed under Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net