ጋዜጣዊ መግለጺ ንሰላማዊ ሰልፊ ፍራክፎርት (ኒደራድ)

ብዓርቢ ዕለት 25፡ መዓልቲ „ነጻነት“ ኤርትራ ናይ 24 ግንቦት 2012 ብምዝካር፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ህግደፍ ኣብ ፍራንክፎርት፡ ነቲ ሸፋቱ ህግደፋውያን ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራን መንእሰያቱን ብዘይ ምቍራጽ ዘወርድዎ ዘሎዉ ንግፍዕን ጭኰናን ይኣክል ንምባል፡ ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይድና፡ ኵሎም ኣብ ጀርመን ዝምቕማጦም ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ደሞክራስን ዝተሳተፍዎ ኸኣ ነበረ። ሰለማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት (ኒደራድ) ብምትሕብባር ኩሎም ኣንጻር ሽፍታዊ ጉጅለ ህግደፍ ዝቃለሱ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝመደበሮም ካብ ኩሉ ኩርናዓት እዚ ሃገር‘ዚ ብዝመጹ ኣባላት ማሕበራት ደቀንስትዮን መንእስያትን፡ በርገሳዉያን ማሕበራት ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝተዳለወ ደኣ ይኹን እምበር ቑጽሮም ኣትሒትካ ዘይግመት ደገፍቲ ህግደፍ-ነበር ዝተኻፈልዎ ብምንባሩስ ካብ ክልእ ግዜታት ፍልይ ዝብለ ከም ዝነበረ የመልክት።
ህግደፋውያን፡ ሽሕ‘ኳ ክሰርሑ ዝግብኦም እንተነበረ፡ ቤት ጽሕፈቶም ዓጽዮም ንደገፍቶም እዉን ናብ‘ቲ ቦታ ሰልፊ ተወስ ከይብሉ ብምትሕስሳብ፡ ነቲ ነጎድጓዳዊ ድምጺ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘቃልሖ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ተሓቢኦም እናሰምዑ እዮም ዘሕለፍዎ፡፡ ስለ‘ዚ ኸኣ ናብ‘ቲ ቆንስል ህግደፍ፡ ብጉዳዩ ዝኣቱ ይኹን ዝወጽእ ዝተራእየ ተገልጋሊ ይኹን ሰራሕተኛ ብዘይምንባሩ ብሓፈሻኡ እንቋዕ እዚ ኣርኣየና….ዘብል እዩ ዝነበረ።
ሰልፈኛታት፡ እቲ ናይ መሬት እምበር ናይ ህዝቢ ነጻነት ከየጎናጸፈ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕን መቕዘፍትን፡ ህዝብና ከሕልፎ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ዕስራን ሓደን ጽንኩር ዓመታት ጭኰናን ቅንጸላን ብምዝካር፡ ተሳተፍቲ ሰልፊ „ይኣክል“ ዝብል ብቐይሕ ቀለም ዝተጻሕፎ ጻዕዳ ጨርቂ ኣብ ግንባሮም ኣሲሮም፡ „ህግደፍ ዓዲ ግደፍ … ይኣክል ባርነት፡ ስመር ንዳግማይ ሓርነት …. ዕላማ ስዉኣትና ክትግበር፡ ሓቢርና ሕቖ ህግደፍ ንስበር …. ሎሚ ብድምጽና ንመሰል ህዝብና፡ ጽባሕ ናብ ሃገርና ናብ ባይቶና …… ተለዓል ምክልኻል ህዝባዊ ሰራዊት፡ ሚሒኻ ክትድርብዮ ንህግደፍ ኣራዊት …..“ ወዘተ …. ዝኣምሰለ ጭርሖታት ከቃልሑ ኣርፊዶም።
ቀጺሎም‘ውን ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንጹርን ዘየዳግምን መልእኽቲ ናይ‘ቲ ዝፈትውዎ ህዝቦም ንጎብለላት ህግደፍ ንምትሕላላፍ ብማለት፡ ኣብ ቀሕ ወረቐት፡ ብበብዓይነቱ ቛንቋታት ይኣክል ዝተጻሕፎ መዘክር ንኣገልገልቶ ከም ዝወሃብ ክገብር ፈተነ። ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ተሸጒጦም ብምንባሮም ድማ ኣዳለውቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንበርሊን ናብ‘ቲ ቀንዲ ሹመኛ ህግደፍ ኣብ ጀርመን ዝርከቦ ክልእክዎ ተላበዎም።
እዚ ብተሳትፎ መንእሰያትን ኣደታትን ኣቦታትን ገዳይም ተቓለስትን ሕጻናትን ከምኡ እዉን ኣዕሩኽትን ፈተዉትን ኤርትራዉያን ዝኾኑ ማዕሪጉ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓት ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ከም ወትሩ ጭዉነት ስነ-ስርዓትን ዝተራእየሉን፡ ብዅሉ መምዘኒታት ነቲ ኣብ‘ዚ እዋን እዚ „ስመር“ ብዝብል መንፈስ፡ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ተላዒሉ ዘሎ ማዕበል፡ ብግቡእ ዘንጸባረቐን፡ ሓያል መልእኽቲ ዘማሓላለፈ እዩ ዝነበረ። ኣብ‘ቲ ኣጋጣሚ‘ቲ ካብ ወደብቲ ሰልፊ ኣትሒዙ ክሳብ ድሌት ዘሎዎም ተሳተፍቲ መደረታትን ግጥምን ተስሚዑ።
ቅድሚ ምድምዳምና ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይግብኦ እንተልዩ፡ ብፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝዀኑ ጀርመናውያን፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትርውያን እምነታት ዘውርዶ ዘሎ ዘስካሕክሕ ጭቆናን ማእሰርትን ቕትለትን ደው ንኸብል ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ንዕለት ሓደ ሰነ (ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ) ሰዓት 11፡00 ኣብ ከተማ በርሊ ከካይዱ ምኻኖም ኣብ ናይ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፍና ምግላጾም እዩ። እዚ ዘመልክቶ እንተልዩ ድማ ደገፍቲ ኣህዛብ ኤርትራ እናበርከተ ይኸይድ ምህላዉ የርኢ።
እዚ ናይ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እንተልዩ፡ ፍርሕን ስግኣትን ከይብሉንን ኣወጊድና ብሓደ ሰሚርና፡ ነቶም ንሃገርና ህዝብናን ናብ ዘይንቡር ኣእትዮማ ዘሎዉ ሹማምንቲ ህግደፍን ደገፍቶምን፡ ግቡኣ ታሪኻዊ ትምህርቲ ክንህቦም ከም እንኽእል ዘመስከረ እዩ ዝነበር።

ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀርመን
26.05.2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7142

Posted by on May 29 2012 Filed under News, Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net