ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሲያትል

ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ዝኸይድ ዘሎ ህጹጽ ምዕብልናታትን: ከምኡ’ውን ጉዳይ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲ ለውጢ ኣብ ከተማናን ከባቢናን: ኣልዒልና
ኣብ ወርሒ ግንቦት ተኸታትሊ ኣኼባታት ክንገብር ምጽናሕና ዝዝከር ኢዩ። ካብኡ
ቀጺልና’ውን ግንቦት 24 2012 መበል 21 ዓመት፡ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት
ብምግባር ብደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ መንእሰያት ኤርትራ ዝተበገሰ ኣብ ዋሺንግቶን
ዲሲ ምክያድ ሰላማዊ ሰልፊ ኣልዕልና ተዘራሪብናስ ምሉእ ደገፍና ዘረጋገጽናሉ
ወቕቲ ምንባሩ ኣስሚርናሉ ዝሓለፍና ኢዩ።
ኣብቲ ልዙብ ኣኼባ ዘካየድናሉ ናይ ሰንበት ዕለት 27 ግንቦት 2012 ድማ ኣገደስቲ
ውሳኔታት ኣመሓላሊፍና። ገለ ካብቶም ውሳኔታት ብስምምዕ ዘሕለፍናዮም
ንምጥቃስ ዝኣክል፡
1) ንጥፈታት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ መዝገብ
ናይ ኣባላት ክቐውም፡
2) ቀዋሚት ጨንፈር ሽማግለ ሲያትልን ከባቢኡን ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ
ንደሞክራሲ ለውጢ ክትቀውም፡
3) ብጊዝያዊት ጨንፈር ሽማግለ ሲያትል ናይ ኤርትርዊ ሃገራዊ ባይቶ
ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሰፊሕ ኣኼባ ናይ ሓፋሽ ተቓውሞ ክጽዋዕ፡ ነዚ
ንምስላጥ ድማ በብከባቢና ንዘለዉ ተቓወምቲ ክንሕብር ኵላትና ሓላፍነት
ንሰከም ክብል እንከሎ እዚ ከኣ ጊዝያዊት ሽማግለ መደብ ክትገብረሉ እቲ
ኣኼባ ሓላፍነት ክትወስድ ተላብይዋ።
4) ጊዝያዊት ሽማግለ ጨንፈር ሲያትል ብዝቐረበላ ለበዋ መጠን ንምጽዋዕን
ንምዝኽኻርን ምእንቲ ክምችእ ብጀኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ተጠዓዒሙ ኣብ
ሸውዓተ ስፍራታት ከፋፊላቶ ኣላ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰፈር ድማ ጸዋዕትን
ኣዘኻኸርትን ተመዲቦም ኣለዉ። ኣስማቶም ድማ ብስልኪ ወይ ብኢመይል
ክትራኸቦም ኢያ።
5) እኹል ተደላይነታት እንተድኣ ተማሊኡ ቀዋሚት ሽማግለ ጨንፈር ሲያትልን ከባቢኡን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲ ለውጢ ኣብዚ ዕለት’ዚ ክትቀውም ምዃና ንሕብር።
6) እቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባና ዝቐረበ ጠለብ ማለት መምርሒታት ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲ ለውጢ ኣብ ኢድ ጊዝያዊት ሽማግለ ጨንፈር ሲያትል በጺሑስ ናብ ኵሎም ኢመይል ኣድራሻ ዘለና ኣቐዲሙ ከምዝተላእከ ንሕብር።
7) ኣብ መደምደምታ ኣኼባ ድማ ንቀዳም ዕለት 30 ሰነ 2012 (6/30/2012) ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ. ሰፊሕ ኣኼባ ክግበር፡ ብስምምዕ ተወሲኑ።
ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ፡
ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ሲያትልን ከባቢኣን
ኣኼባ ዝካየደሉ ዕለት፡ ቀዳም 30 ሰነ, 2012፡
ኣኼባ ዝጅመረሉ ሰዓት፡ 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ
ብድሓን ንምጻእ ኣብኡ የራኽበና
ጊዝያዊት ሽማግለ ጨንፈር ሲያትል
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲ ለውጢ
ሰነ 10, 2012 (6/10/2012)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7213

Posted by on Jun 19 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net