መደባት ዝኽሪ ሰማእታት አብ ከተማ ለንደን


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን

ብቀዳምነት ድሕሪ ዝዓዘዘ ሃገራውን ምሕዝነታውን ሰላምታ ምቕራብ፡ ንኩሉ’ቲ ዕለታዊ ዕማማትኩም ዓወትን ኣሳልጦን
ክትጓናጸፉ ይምነየልኩም።
ኣብ ኤርትራ እቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተወጊዱ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ተካይድዎ ዘለኩም ረዚን ጻዕርታትን

ቃልስታትን ዓወትን ኣሳልጦን ክትጓናጸፉ ይምነየልኩም። ብምቕጻል ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ አብ ዓባይ ብሪጣንያ ን20 ሰነ 2012 መዓልቲ ሰማእታት ኣመልኪቱ 20 ሰነ መላገጺ ህግደፍ አይኮነን! አብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝኽሪ ሰማእታት አብ ከተማ ለንደን ከካይድ ኢዩ፡ ፡ አብቲ ዕለት ንዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ዝምልከት ዝተፈላለየ መደባት ክቐርብ ስለ ዝኾነ ኩላትኩም ግዱሳት ዜጋታት ብግጥሚ ኮነ ስእሊ ወይ ብኻልእ መንገዲ ከተበርክቱ ትደልዩ ተዳሊኹም ምጹ፡ ፡ ብተወሳኺ ኩሉ ዕዱም ሽምዓ ሒዙ ክመጽእ ነዘኻኽር፡ ፡

ቦታ
HYDE PARK (Speakers Corner)

LONDON

ግዜ፡ 4፡30 ድሕሪ ቀትሪ 23/06/2012

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ አብ ዓባይ ብሪጣንያ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7217

Posted by on Jun 20 2012 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net