News

ጨናፍር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ቅድሚ ካልኣይ ጉባኤ ዝግበር ሰሚናራት ጀሚረን

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ሪያድ፡ ጅዳን መዲናን ከምኡውን ኣቦ-ወንበርን ካልኣት ኣባላት መሪሕነት ሰልፍን ዝተሳተፍዎ፡ ብጅምዓት 15 ሰነ 2012 ኣብ ዞባ ደቡ ስዑዲ ዓረበያ ከተማ ራብቕ ሰፊሕ ሰሚናር ተኻይዱ። ተሳተፍቲ፡ ንጨንፈር ራብቕ ድሕሪ ምምስጋኖም፡ ንኻልኣይ ጉባኤ ዘገድሱ ሰነዳትን፡ ንዕብየት ሰልፊና ሃነጽቲ ዝኾኑ ሓሳባትን ብሙሉእ ጉልጽነት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም።
ንምዝካር ዝኣክል ኣሰናዳዊት ሽማግለ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ቅድመ-ጉባኤ ዝግበር ምድላዋት ሰንሰለታዊ ሰሚናራት ኣዳሊዩ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ጨናፍር ቅድሚ ጉባኤ ሰሚናራት ከካይዳ ሙኻነን መምርሒ ሂቡ ነይሩ።
ሰሚናራት፡ ሰፊሕ ሱታፌ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ዝረጋገጸሉ መስርሕ ከም ሙዃኑ መጠን፡ ብኡኡ ኣቢልካ ብሩህ መሪሕ ሓሳብ ናይ ሰልፍና ንምቕራጽ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ።
ኣሰናዳዊት ሽማግለ ብወገኖም ነቲ ዝያዳ ፍሉይን ዕዉትን ሰሚናር ከብሎ ዝኻኣለ ሰፊሕ ሱታፌ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ብጣዕሚ ኣሞጊሶም። ብተወሳኺ፡ ኩለን ጨናፍር በቲ ዝተወሰነለን ግዜ ክሳብ ዕለተ-ጉባኤ ሰንሰለታዊ ሰሚናራተን ከካይዳ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ኣዘኻኺራ።

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
ክፍሊ ዜና
16/06/2012

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top