ጨናፍር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ቅድሚ ካልኣይ ጉባኤ ዝግበር ሰሚናራት ጀሚረን

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ሪያድ፡ ጅዳን መዲናን ከምኡውን ኣቦ-ወንበርን ካልኣት ኣባላት መሪሕነት ሰልፍን ዝተሳተፍዎ፡ ብጅምዓት 15 ሰነ 2012 ኣብ ዞባ ደቡ ስዑዲ ዓረበያ ከተማ ራብቕ ሰፊሕ ሰሚናር ተኻይዱ። ተሳተፍቲ፡ ንጨንፈር ራብቕ ድሕሪ ምምስጋኖም፡ ንኻልኣይ ጉባኤ ዘገድሱ ሰነዳትን፡ ንዕብየት ሰልፊና ሃነጽቲ ዝኾኑ ሓሳባትን ብሙሉእ ጉልጽነት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም።
ንምዝካር ዝኣክል ኣሰናዳዊት ሽማግለ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ቅድመ-ጉባኤ ዝግበር ምድላዋት ሰንሰለታዊ ሰሚናራት ኣዳሊዩ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ጨናፍር ቅድሚ ጉባኤ ሰሚናራት ከካይዳ ሙኻነን መምርሒ ሂቡ ነይሩ።
ሰሚናራት፡ ሰፊሕ ሱታፌ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ዝረጋገጸሉ መስርሕ ከም ሙዃኑ መጠን፡ ብኡኡ ኣቢልካ ብሩህ መሪሕ ሓሳብ ናይ ሰልፍና ንምቕራጽ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ።
ኣሰናዳዊት ሽማግለ ብወገኖም ነቲ ዝያዳ ፍሉይን ዕዉትን ሰሚናር ከብሎ ዝኻኣለ ሰፊሕ ሱታፌ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ብጣዕሚ ኣሞጊሶም። ብተወሳኺ፡ ኩለን ጨናፍር በቲ ዝተወሰነለን ግዜ ክሳብ ዕለተ-ጉባኤ ሰንሰለታዊ ሰሚናራተን ከካይዳ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ኣዘኻኺራ።

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
ክፍሊ ዜና
16/06/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7244

Posted by on Jun 23 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net