20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት፡ አብ ለንደን ብልዑል ወኒ ተዘኪሩ


20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡“20 ሰነ መላገጺ ህግደፍ ኣይኮነን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣባላት ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ (EYSC) ኣብ ዝርከቡለን ሃገራት ብልዑል ሓበን ተዘኪራ።
ኣብ’ቲ ብደረጃ ሃገር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝተገብረ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት፡ ኣባላት ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ (EYSC-UK) ምስ ካልኦት መንእሰያት ብሓባር (jointly) ዝወደብዎ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ገዳይም ተቓለስቲ፡ ጋዜጠኛታትን ደቂ- ኣንስትዮ፡ ብልዑል ዝቚጸር ህዝብን መንእሰያትን ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ሰዓታትት ድሕሪ ቀትሪ ዝተፈላለዩ ነቲ ዕለት ዘንጸባርቕ መደባት ኣካዪዶም።
እቶም መንእሰያት ነቲ ድሮ ብቀዳም 16 ሰነ ዝጀመርዎ፡ ናጽነት ሃገር ንምምጻእን ልኡላውነት ሃገር ንምውሓስን ንዝተበጀዉ ሰማእታትን ብኣረሜናዊ ሓለንጊ ግፍዒ ዲክታተር ኢሳይያስን ስርዓት ህግደፍን ንዝቕዘፉ ዘለዉ ናይ ሕልና እሱራትን ንሞት ዝቃልዑ ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ፍቐዶ ሃገራትን ኣብ ከም ሲናይን በረኻታት ሰሃራን ኤርትራውያን ሰማእታትን ናይ ምዝካር ረዚን ውራይ ህዝብና ዳግማይ፡ ሳልሳይ፡ ራብዓይ ክነብዕ የብሉን! ሕድሪ ሰማእታትና-ንሓርነት ህዝብና! እናበሉ ብቀዳም 23 ሰነ እውን ብዝደመቐ መልክዑ ቀጺለሞ ውዒሎም።
ኣብቲ ኣብ ሃይድ ፓርክ-ለንደን ዝተኻየደ መደብ፡ ነቲ ዕለት ዝምልከት ኣብ መእተዊ ስሩዕ መደባት ናይቲ መዓልቲ ዘላሊ ሓበሬታ ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ቀሪቡ። ቀጺሉ ቃል ኣዳላዊት ሽማግለ መንእሰያትን ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን (EYSC-UK) ተነቢቡ። ንሳቶም ብሓባር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል “ ነቶም መተካእታ ዘይብላ ክብርቲ ህይወቶም ምእንቲ ናጽነት ሃገርን ሓርነት ህዝብን ዝኸፈሉ ሓርበኛታት፡ ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ይኹኖም! ድሕሪ ምባሎም፣ ቀጺሎም ነታ ሕሉፍን መጻኢን ኣቀራሪባ ህሉው ሓላፍነትና እተዘኻኽር መዓልቲ ሓላፍነት፣ ስርዓት ህግደፍ ሕድሪን ባህግታትን ሰማእታትና ጠሊሙን ረጊጹን ከይኣክል ነታ ዕለት እውን ጨውዩ ናቱ ከይገብራ ኣለና! ብምባል ቃልና ዳግማይ ነሐድስ ኢሎም። ኣብ መዛዘሚ ቃሎም ከኣ “ዝኽሪ ብዘይ ግብሪ ቀብሪ ኢዩ!” ብምባል ቃል ስ.ኤ.መ.ለ. (EYSC-UK) ተዓጽዩ። ኣስዒቡ ገዲም ስነ ጥበባውን ተቓላሳይን ሑሴን መሓመድ ዓሊ ነቲ ዕለት ዘንጸባርቕ ዓሚቕ ዝኽርን ስምዒትን ትሕዝቶ ዘለዎ ረዚን ሃገራዊ ቃል ድሕሪ ምስምዑ ንታሪኽ፡ ጅግንነትን ሕድሪ ሰማእታትን ዝገልጽ ዝተፈላለየ ጣዕመ ዜማታትን፣ ግጥምታትን ቀሪቡ።
ሓው ተቓላሳይ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ኢያሱ (ድምጺ ኣሰና) ኣብቲ ዕለት ተረኺቡ ኣንታ፡ ስዉእ ተገሪሙ! ንምሉእ ትሕዝቶ እቲ ግጥሚ ኣብ’ዚ ታሕቲ ጠውቑ http://assenna.comመልእኽታ ሰማእታትና ብግብሪ ይዘከሩ! ዝብል ኮይኑ፣ ብፍላይ ድማ ነቶም ሕድሪ ሰማእታት ዝረገጹ ኣምሰሉታት ምስ ህግደፍ ዝደናገጹን ኣብ ስቕታን ክሕደትን ዝነብሩ ብመንጽር ዘሎ ህሉው ኩነታት ህዝብና ኣብ ሃገርናን ከም እውን ኣብ በረኻታት ሲናይ ንዜጋታት ዘጓንፍ ዘሎ ዓመጽን ሞትን ብምኽሓዶም እናገሰጸትን እናኾነነትን እንተኾነ ግን ዳግም መንፈሶም ኣሐዲሶም ሕልና ገይሮም ሓላፍነት ክወስዱ እትጽውዕ ኢያ።
ብድሕሪ እዚ ንታሪኽ፡ ጅግንነትን ሕድሪ ሰማእታትን ዝገልጽ ናይ ዝኽሪ ደርፍታት እናሰምዑ ሽምዓ ብምብራህ፡ ብጸሎተ ፍትሓትን ዱዓን ብምክያድን ካልእን ንጥፈታት ብምስልሳልን “ ኣብ መስመርና ኣለና- ቅሰኑ ሰማእታትና!” ዝመልእኽቱ ሕድሪ ናይ ምፍጻም መብጽዓኦም ኣረጋጊጾም።
ቅድሚ እቲ መደብ ብዝኽረ ሰማእታት ምዝዛሙ ብተጋዳላይ ሃይለ ወልዱ “ኣደ” ትብል ግጥሚ ምቕራባ፣ ንዕኣ ተኸቲላ ድማ ብመንእሰይ ተስፉ ካልእ ግጥሚ ተነቢባ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ሓብቲ ሰላም ኪዳነ ንዝኽሪ እቲ ዕለት ዝምልከት ግጥሚ ብቋንቋ እንግሊዝ ኣቕሪባ። ብድሕሪ እዚ እቲ መደብ ብዝኽረ ሰማእታት ተዛዚሙ።
ሕድሪ ሰማእታትና-ንሓርነት ህዝብና!
ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ (EYSC-UK)
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7255

Posted by on Jun 26 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net