ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ንመንእሰያት ተመኩሮኦም ኣካፊሎም

ኩነታት ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ሎሚ ንመንእሰያት መብርሂ ተዋሂቡ።
ኣብ’ቲ ኣኼባ ኩሎም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ዘለዎም ሰራዊት ኣብ ሓደ ክጽንብሩ፡ ባይቶ ወግዓዊ ኣዋጅ ክገብር ከምዘለዎ ተገሊጹ።

“ባይቶ፡ ሓደ መዓስከር ከፊቱ፡ ኩሎም ውድባት ክጽንበሩ ይኣውጅ። ሓደ ወተሃደራዊ
እዚ ይግበር። እቶም ዝኸኣሉን ዝደልዩን ይምጽኡ። እቶም ዘይደልዩ ከኣ ድሓር የርክቡና።” ኢሉ ምክትል ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ
ኪዳን ኣቶ ሓጅ ዓብደላኑር፡ ነቲ ኪዳን ኣብ ትሕቲ ናይ ባይቶ ጽላል ኰይኑ ክሰርሕ ኣይደልን’ዩ ዝብል ሕቶ ብተሳተፍቲ ኣኼባ ዝቐረበሉ
ሕቶ መልሲ ንምሃብ እዩ።

ትማሊ፡ ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንለውጢ፡
ዶክተር ዮሱፍ ብርሃን ንኹሉ ዝጥርንፍ ሓደ ጽላል ክህሉ ኩሉ ክቃለሰሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ ከምዝነበረ ይዝከር እዩ።

እቶም ብዛዕባ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ንምብራህ፡ ካብ ኪዳን፡
ውድብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር፡ ምንቅስቓስ ንደሞርክራስን ፍትሒን ኤርትራ፡ ኮንግረስ ፓርቲ ዝተወከሉ ተጋደልቲ’ውን ብተመሳሳሊ፡
ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ባይቶ ኰይንካ ምስራሕ ዝብል ሓሳብ ጸቒጦም ይዛረብሉ ነይሮም።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ግና ብዙሕ ነገራት ተዳህሲሱ እዩ። ብዛዕባ ኣመሰራርታን ኣቃውማ
ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሓያልን ድኹምን ጐኖም ብዘይ ምንሕሓፍ ተዘትይሉን ክትዕ ተኻይድሉን እዩ።

ብዝሒ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ንስርዓት ኢሰይያስ ክወቅዕ ዝኽእል ድልድሉን ውፉይን
ሓይሊ ብዘይ ምውናኖም፡ ከም ድኹም ጐኒ ካብ ዘቐመጥዎም ነጥብታት እዮም።
እቶም ውድባት ምስ ኩሉ ጸገማቱ ይቃለሱ ምህላዎም፡ ኣብ ፕሮፓጋንዳዉ፡ ዲፕሎማስያውን መዳይ ዓቅሙ ብዝፈቐዶ ንስርዓት
ኢሰይያስ ከቃልዕ ምጽንሑ፡ ኣብ መወዳእታ’ውን ኣብ ሓደ ጽላል ምጥርናፉ ኣወንታዊ ወይ ከም ሓያል ጐኒ ናይ’ቲ ቃልሲ ምዃኑ ከም
ኣብነት ተገሊጹ እዮ።

እቶም ተጋደልቲ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣኪቡ ዘሎ መንእሰይ፡ ተወዲቡ፡ ዓቕምታቱ
ኣወሃሂዱ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ተሓባቢሩ እጃሙ ከበርክት ትጽቢት ከምዝገብሩ ገሊጾም እዮም። ብዙሓት መንእሰያት ብዛዕባ ተቓወምቲ
ውድባት ብዙሕ ከም ዝተማህሩ ብኣንደበቶም ገሊጾም እዮም።

እቲ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ገና ቀጻሊ እዩ ዘሎ። እቲ ብጉጅለታት ክካየድ
ዝቐነየ ዘተን ክትዓትን ተዛዚሙ ኣሎ። እቶም ጉጅለታት ነቲ ዝበጽሕዎ ናይ ሓባር ስምምዓት፡ ብመገዲ መራሕቶም ኣቢሎም ጸብጻባቶም
ኣቕሪቦም ኣለዉ። ጽማቕ ትሕዝትኡ ኣብ ቀጻሊ ተኸታተሉ።

 

 

 

ቴድሮስ መንግስቱ

ጋዜጣ ሰላም

07/12/12

ኢትዮጵያ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7323

Posted by on Jul 13 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net