መንእሰይ ኣሉታዊ ተመኩሮ ውድባት ከይደግም ምሕጽንታ ቀሪቡ

መንእሰያት ንዖዖም ብዝጥዕሞም ተወዲቦም፡ ሓድነቶም ኣትሪሮም ኣብ’ቲ ንለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እጃሞም ከበርክቱ ጻውዒት ቀሪቡ።

ነቲ ጻውዒት ዘቕረበ፡ ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ፡ ዶክተር ዮሱፍ ብርሀን፡ ሎሚ ኣብ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ
ዘሎ ኣኼባ መንእሰያት ተረኺቡ እዩ።

“ጸበብትን ንኣሽቱን ፍልልያት ወጊድኩም ዓለም ለኻዊ ናይ መንእሰያት ምጥርናፍ
ከተማዕብሉ፡ ንሉኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ኣጋሊጹ ዘሎ ስርዓት ዕምሪ ከይረክብ፡ ተቐበልቲ ሕድሪ ምዃንኩም ብተግባር ከተረጋግጹ፡
ዝጸበየኩም ከቢድ ሓላፍነት እዩ” ኢሉ ዶክተር ዮሱፍ፡ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ዝተራኣዩ ምጉጅጃላትን ምፍንጫላትን ብመንእሰያት ከይድገም
እንዳ ተማሕጸነ።

ምክትል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣቶ ዮውሃንስ ኣስመሮም ብወገኑ፡ መንእሰያት ኣብ ናይ ህግደፍ መጻወድያን ሽርሕን ከይኣትዉ ተላብዩ።

“ኣብ መንጐ መንእሰይን ኣብ መንጐ እቲ ነባር ተቓዋሚን ፍልልይ ፈጢርካ ደንበ ተቓውሞ ከምዘይስማማዕን ከምዘይስስንን ምግባር።” ድሕሪ ምባል  “እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ምቹእ ናይ ቃልሲ ባይታ እውን ኣዝዩ ስለ ዘፍረሖ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓባቢርካ ወይ ተሰማሚዕካ ዝግበር ቃልሲ ኩሉ ምስ ክድዓትን ሃገራዊ ክሕደትን እናኣታኣሳሰርካ ህዝቢ ክሰከፈሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ጠቕሊሉ “ፎ”  ክብል ዝኸይድ ዘሎ ወፍሪ ቀሊል ኣይኰነን።” ኢሉ ኣቶ ዮውሃንስ ኣስመሮም።

እቲ ናይ መንእሰያት ኣኼባ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ፡ ንብዙሓት ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘዛረበን ኣብ ክልተ ኣተሓሳስባ ዝኸፈለን ጉድይ እዩ ነይሩ። ሓደ ካብ’ቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ መንእሰይ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ፡ ስለምንታይ ባይቶ ከካይዶ ዘይካኣለ? ትብል  ሕቶ ንሓለፍቲ ባይቶ ኣቕሪብሎም ነይሩ። ኣቶ ዮውሃንስ “ባይቶ ኣብ’ዚ ናይ እግሪ ተኽሊ ዕድሚኡ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ሰሚናር ከካይድ፡ ሰብኣዊን ቁጠባዊን፡ ዓቕሙ ኣየፈቕደሉን እዩ።” ክብል መሊሱ።

ሓደ ካልእ መንእሰይ’ውን፡ ስለምንታይ እዩ እቲ ዝቃወም ዘሎ ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ዘይእከብ? ክብል ሓቲቱ፡ ነቲ ናይ ኣብ ሞንጐ ኪዳንን ባይቶን ዘይምጥዕዓም ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ ዝመስል።

“ከም ፖለቲካዊ ምትእስስራት ንፍልልያት ምጽባብ ኣብ ዘራኽብን ዘሰማመዕን ጥራይ ምትኳር፡ እንኮላይ ምትሕንፋጽ። ንዝተቀራረቡ ውድባት ምትብባዕ እያ ትብል።”  እዚ፡ ምትብባዕ እዩ ዝብል’ምበር፡ ብውሳኔ ደረጃ ዘለኩም ጽላል ኣፍሪስኩም ኣብ ባይቶ እተዉ ኢልካ ከተገድድ ከምዘይካኣል እዩ ኣቶ የውሃንስ ኣስመሮም ዘረድእ።

ዶክተር ዮሱፍ ግን፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ኩሉ ሰብ ብዕቱብ ከመራመረሉ  ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ። “ኣድላይነት ናይ ሓደ ጽላል ንኹሉ ዝጥርንፍ ኩልና ክንቃለሰሉ ዘሎና ጉዳይ እዩ።” ድማ ኢሉ።

ዶክተር ዮሱፍ ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ናይ መንእሰይ ሓይሊ፡ ምስ’ቲ ክቃለስ ዝጸንሐ ሓይልታት ብፍላይ ከኣ፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተኣሳሲሩን ተዋሃሂዱን ንቕድሚት ክምርሽ ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ናይ መንእሰያት፡ ሓላፊ ክፍሊ ዜና፡ ኣቶ ተወልደ ገብረስላሴ፡ ኣባል ባይቶ መሓመድ መዓር፡ ካብ ክፍሊ ጉዳይ ማሕበራዊን ስደተኛታትን እስማዒል ገባይቶ፡ ካብ ወጻኢ ጉዳያት ኣቡሻኩር መሓመድ ከምኡ’ውን ኣደ ወንበር ደቀንስትዮ ትዕግስቲ ብርሀነ ተረኺቦም ነይሮም።

ፋጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ  ባይቶ ንለውጢ፡ ኣብ’ዚ ዝመጽእ ዘሎ መዓልታት፡ ኣኼባ ኣካይዱ ናይ ዝሓለፈ 6 ወርሓት ንጥፈታቱ ክግምግምን መፍትሒ ከናድይን ምዃኑ እቶም መራሕቲ ባይቶ ገሊጾም ኣለዉ።

ጽባሕ፡ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ውድባት፡ ምስ’ቶም መንእሰያት ክራኸቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

 

ቴድሮስ መንግስቱ

ካብ ጋዜጣ ሰላም

ኢትዮጵያ

07/11/12

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7316

Posted by on Jul 12 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net