ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ተዛዚሙ : ተሳትፍቲ፡ ስምን መሪሕነትን መሪጾም

እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተኣኪቦም ዘለዉ መንእሰያት ትማሊ ብዘጽደቕዎ መሰረት፡ ሓደ “ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር” ዝስሙ ማሕበር መስሪቶም። 9 ፈጸምቲ 10 ኣባላት ቦርድ ዘለውዎ፡ 19 ዝኣባላቱ መሪሕነት ኣቑሞም።

በዚ መሰረት፡ ሙስጣፋ መሓመድ ኑር ካብ ኣሜሪካ፡ ፊሊሞን ፍትዊ ካብ ካናዳ፡ ካልድ ዓብዱ ካብ ኣውሮጳ፡ ዓብዲሰላም ኣልኣሚን ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሃብቶም መሓሪ ካብ እስራኤል፡ ሓሰን ጀዋይ ካብ ሱዳን እዮም።

 ፌቨን ተስፋይ፡ ኢስማዒል ሽፋ (ካብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ)፡ ኣስመሮም ወልደገርስ፡ ዶክተር በረኸት ብርሃነ፡ ከማል ዓብዲራሕማን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ እዮም።

ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ናይ’ዚ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኰይኑ፡ በዞም  ሙሉእ ጊዚኦም ክሰርሑ ዝወሰኑ  5 ሰባት ክካየድ እዩ።

ንጓል ኣንስተይቲ ብዝተዋህበ ፍሉይ ሓለፋ፡ ልዋም ተወልደ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተመሪጻ ኣላ። ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ናይ ስደተኛታት መዓስከር ዓፋር ኣብ ኢትዮጵያን፡  ነፍስወከፎም ሓደ ሰብ ብሕጂ መሪጾም ክውክሉ ምኻኖም ገሊጾም ኣለዉ።

መሓመድ ዑመር ካብ ሱዳን፡ ስሞኦን ንጉሰ ካብ ካናዳ፡ ተስፉጋብር ኣጽብሃ ካብ ኣሜሪካ ከምኡ’ውን ኢድሪስ ጃካሚኖ ካብ መዓስከር ሽመልባ ብወለንትኦም ዝነብርሉ ሃገራትን ቦታትን ሙሉእ ጊዚኦም ተወፍዮም ከምዝሰርሑ ንህዝቢ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ፡ እቶም መንእሰያት ኣብ ጉጅለታት ኣብ ዝተዛተይሉ እዋን፡ እዚ ተመስሪቱ ዘሎ ጥርናፈ፡ ነጻ ኮይኑ፡ ምስ ባይቶን ካለኦት ተቓወምቲ ሓይልታትን ተሓጋጊዙ ንኽሰርሕ እዩ።

 ኣብ’ቲ ሎሚ ዝተዋህበ ናይ ሓባር ድምጺ ግን፡ ሓደ ኣባል ባይቶ፡ ኣባል ፈጻሚ ናይ’ዚ ሓዲሽ ተመስሪቱ ዘሎ ናይ መንእሰያት ስምረት ክኸውን ዝፈቅድ እዩ። ከምኡ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ፡ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፡ ከም’ቲ ዝግባእ ከየድምዕ ይኽእል እዩ ዝብል
ስኽፍታ ኣሕዲርሎም ኣለዉ።

ገለ መንእሰያት’ውን፡ ዋላ’ዃ፡ ነቲ ናይ ብዝሒ ድምጺ ዘኽብርዎ እንተመሰሉ፡ ኣብ ሓደ ክልተ ምሩጻት፡ ድሮ ዘለዎም ውልቃዊ ዕቃበታት ክገልጹ ጀሚሮም እዮም።

እቶም ዝበዝሑ መንእሰያት ግን፡ በቲ ናይ ኣኼባ ውጽኢትን፡ በቲ ብናይ ኢትዮጵያ ናይ መንእሰያት ሊግ ዝተገብረሎም ናይ ምዝንጋዕ ምሸት ሓጐሶም ክገልጹ ኣምስዮም ኣለዉ።

እቶም ኣብ’ቲ ኣኼባ ክሳተፉ ዝቐነዩ መንእሰያት፡ ኣብ’ቲ ጽባሕ ናይ ንጉሆ ዘካይድዎ ናይ መወዳእታ ኣኼባ፡ ነዚ ሓድሽ መሪሕነት፡ ምኽሪን ለወባን ከመሓላልፉ እዮም። እቲ ዝወሃብ ምኽሪ ወይ ሓጋዚ ሓሳባት፡ ኣብ’ቲ ክዛተይሉ ዝቐነዩ ዛዕባታት ሙርኵስ ዝገበረ ክኸውን ተመዲቡ ኣሎ።

ቴድሮስ መንግስቱ

ጋዜጣ ሰላም

ኢትዮጵያ

07/16/12

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7344

Posted by on Jul 17 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net