ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ በጺሑ!

ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኢንጂነር ኑር ማሓመድ ኢድሪስ ኣብቲ ሰፊሕ ኣውሮፓዊ ዑደቱ ብሮቡዕ 11 ሓምለ 2012 ምስ ሰብ
መዚ ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ኣለን ዊልሰን ከምኡወን ዶክተር ሰድሪክ ባርነስ ተራኺቡ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገርናን እቲ እንዳባኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ስደተኛታት ብሓፈሻ ኣብ ሳሃራ ሲናይ ዘጋጥም ዘሎ ናይ  መንእሰያትን፡ ህጻናትን ኣዴታትን ስቅያት ድማ ብፍላይ ከመይ ከም ዝመስል ኣብሪሁ።

 

ኣተሓሒዙ፡ ኢንጂነር ኑር ንህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ኣርዑት መግዛእቲ ንምግልጋል ሰልፊ ናህዳ ኤርትራን ካልኦት ኣሓት ተቓወምቲ
ውድባት ዘካይዶኦ ዘለዋ ቃልሲ ድሕሪ ምሕባር፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ከምኡውን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ጎኒ ደንበ ተቓወምቲ ጠጠው ክብሉ ኣዘኻኺሩ።

 

ሰብ መዚ ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኖም ድሙቕ ኣቀባብላ ድሕ ምግባር ብኣቦ ወንበር ዝተገብረሎም መብርሂ ርዱእን ጠቓምን
ከምዝነበረን ገለጾም።  ኣብ መጨረሽታ፡ እቲ ንኣስታት ክልተ ሳዓት ዝወሰደ ዝርርብ ሃናጺ ኮይኑ ቀጻሊ ክኸውን ድማ ድልየቶም ሓቢሮም።

 

ክፍሊ ዕዮ ዜና

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

12/07/2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7346

Posted by on Jul 17 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net