ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ በርሚንጋሃም!

ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኢንጂንር ኑር ኢድሪስ ምስ ዝተፈላለዩ ኣባላት ተቃወምቲ ሓይልታትን ኣባላት ቤርጌሳውያን ማሕበራት
ከምኡውን ኤርትራውያን ፈተው ሰላምን ደለይቲ ዲሞክራሲያዊ ለውጥን ብሓሙስ ምሸት 12 ሓምለ ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ።

ሓዉ ኑር ዕድመ ኣኽቢሮም ንዝመጹ ኣኼበኛታት ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ህልው ኩነታት ሃገርናን ደምበ ተቃውሞ ኤርትራን ከመይ ከም
ዝመስል ኣብሪሁ።

 

ኣብ መደረኡ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ኣካይዱ ክነሱ እንደገና ንምግላጹ ዘሸግር ሓሳርን መከራን የሕልፍ ከም ዘሎን መንእሰያትና ድማ ነቲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝበረሰ ሃገርና ኣብ ክንዲ ንዳግም ህንጻ ዝዋፈሩ ኣብ መጨረሽታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ወርቃዊ ዕድመኦም የብልይዎ ከም ዘለዉን ሓቢሩ።

 

ኣተሓሒዙ፡ ሎሚ ህዝብ ኤርትራ በሙሉኡ ኣብ ዓቢ እስሪ ቤት ከም ዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኮይኑ፡ ካብዚ ገሃነም ከምልጡ መንእሰያትና ኣደዳ ሲናይን ግዳይ ሸቃጦ ኣካላትን ኮይኖም ይርከቡ። ምኽንያት ናይዚ ኩሉ ሕሰምን መከራን ድማ ጉጅለ ሸፈቱ ህግደፍን ተዳናገጽቱን
ከም ሙዃኖም ሎሚ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ።

 

እቲ ሕሰም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጥርዙ በጺሕሉ ዘሎ እዋን ደምበ ተቓውሞ ሓይሉ ጠርኒፉ ኣብ ርእሱ ተሞርኪሱ ክቃለስ ብዘይምኽኣሉ
ዕድመ ናይዚ ስርዓት ክናዋሕ ክኢሉ ክብል ሓው ኑር መደራኡ ቀጺሉ።

ሕጂውን ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ሰይጣናዊ ስርዓት ክጋላገል እንተኾይኑ ኣብ ትሕቲ ጽላል ባይቶ ኮይኑ ኣብ ኩሉ መዳያት ሱታፌኡ ከርእን ከምኡውን ንዋታውን ቁጠባውን ድጋፉ ከበርክት ናይ ነፍሲ ወከፍ ፈታው ሰላምን ደላይ ዲሞክራሲያዊ ለውጥን ሓላፍነት እዩ ክብል ደጊሙ ደጋጊሙ ሓው ኑር ኣዘኻኺሩ።

 

ኣብ መጨረሽታ ካብ አኼበኛታት ዝሕተት ዝነበረ ሕቶታት ድሕሪ ምምላስ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ። ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
ንሰንበት 15 ሓምለ ተመሳሳሊ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ሎንደን ከካይድ ሙዃኑ በዚ ኣጋጣም ንሕብር።

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

12.07.2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7348

Posted by on Jul 17 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net