EYSC-Bay Area አብቲ ብመርበብ ቀዳምነት አፍሪቃ (PAN) ዝተዳለወ ሰሚናር ተሳቲፉ

እቲ ዓቢን ዕዙዝን ተፈላጥነት ዘለዎ ብመርበብ ቀዳምነት አፍሪቃ (PAN-Priority Africa Network) ዝፍለጥ ማሕበር ቀዳም 14 ሰነ 2012 አብ ዘዳለዎ ሰሚናር EYSC-Bay Area ብወከልቱ አቢሉ ተሳቲፉ። እቲ ክልተ ዛዕባታት ማለት ኩነታት አፍሪቃውያን ስደተኛታት አብ ሕ.መ.አ ከምእውን ዘይመንግስታውያን ትካላት ከመይ ጌረን ሓገዛት ክረኽባ ይኽእላ አብ ዝብሉ አርእስትታት ዘተኮረ እዩ ኔሩ።

 

         እቲ ሰሚናር ብመደረ እታ ብዋይት ሃውስ ተሸላሚት ሰላም ዝኾነት ወ/ሮ ኑኑ ኪዳነ እዩ ተኸፊቱ። ቀጺላ ነቲ መድረኽ ዝተረከበቶ ተወላዲት ሃገረ ኮንጎ ሓላፊት ትሕተ ሰሃራ(Sub Sehara) ማዱ ሚከንገ Muadi Mikenge እያ። ንሳ አብ መግለጺአ አፍሪቃውያን ስደተኛታት ጉቡእ ቅጥዒ ምዝገባ ስለዘየካይዱ እቲ ቁጽሪ ካብቲ አብ መዝገብ ሰፊሩ ዘሎ አዝዩ ዝነአሰ ምዃኑ አረዲአ። ንአብነት ኢላ ከተረድእ ከላ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት አዝዩ ዝተዓጻጸፈ ክንሱ 23,000 ጥራይ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ከምዘሎ አገንዚባ።  ብሰንኩ ዝአክል አፍሪቃውያን ንፖሊስታት መንግስቲ ሕ.መ.አ አብ ምጽላው ዘለዎም ተኽእሎ ዱሩት እዩ ኢላ። አብቲ እዋን ነቶም ካብ ዝተፈላለያ ትካላትን ማሕበራትን ዝመጹ ተጋባእቲ ሓሳባቶምን ተሞኩሮታቶምን ክገልጹ ዕድል ተዋሂቡዎም።

ሓደ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ሰሚናር ዝነበረ አባል EYSC-Bay Area ዮናስ ወልደንኪኤል ነቲ ኤርትራውያን ሓደስቲ ስደተኛታት ተረባሕቲ አገልግሎት ጥዕና ንምግባሮም ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ አመልኪቱ ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ ሂቡ። EYSC-Bay Area ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት እቶም ተኻፈልቲ ሰሚናር ከድንቕዎ ከለው ንስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ እውን ምስ ካልኦት ተመሳሰልቲ ማሕበራት ንኽሰርሕ በሪ ዝኸፈተ ሰሚናር ከምዝነበር አብቲ ሰሚናር ዝተሳተፈ ሓላፊ ክፍሊ ህዝባዊ ርክባት ኢሰያስ ስዩም ሓቢሩ።

ቀጺሉ ዝቐረበ አስተምህሮ ብኤርትራዊት ምህርቲ ኑኑ ኪዳነ ከመይ ጌርካ ነአሽቱ ሓገዛት ይርከብ ዝብል እዩ ኔሩ። አብ መግለጺአ ኑኑ ካብ ካልእ ከይተጸበኻ ድራር ብምሻጥ፡ መኪናታት ብምሕጻብ፡ ናይ ዕጫ ሎተሪ ብምድላው፡ ባህላዊ መደባት ብምግባር ወዘተ ክትግበር ከምዝከአል አረዲአ። አብቲ እዋን ብ EYSC-Bay Area ዝግበሩ ጻዕርታት ‘ንከመይ ጌርካ ንጥፈታትካ ተዋዓውዕ’ ንተዓዘብቲ ከም ዝሰሓቦም ክፍለጥ ተኻኢሉ አሎ። ወ/ሮ ኑኑ ኪዳነ ዘለዋ ፍልጠትን ተሞክሮን ንማሕበርና ከተካፍል ዝጸንሕት ናይ ማሕበርና ናይ ክብሪ አባል ምዃና ክንሕብር ንደሊ።

አብዚ ናይ ትማሊ ሰሚናር አዝዮም ቡዙሓት ትካላት ዝተሳተፍዎ እኳ እክተኾነ ካብአቶም KPFA, African American leadership council, National Network for Immigrants and Refugees Rights ብአብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ።

ክፍሊ ዜናን
ሓበሬታን

EYSC-Bay Area, California

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7367

Posted by on Jul 18 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net