ልኡኽ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃዲሓኤ (ENDF) ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2012 ንጥፈታት ከካይድ መደብ ኣሎ

ክፍሊ ዜና ሃዲሓኤ

 

ወከልቲ ናይ’ቲ ብዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝቖመ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ (CC/ENDF) ኣብቲ
ካብ 3 ክሳዕ 5 ነሓሰ 2012 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ ተረኺቦም ውዕዉዕ መደባት ምትእስሳር ከካይዱ ምዃኖም
ተገሊጹ።

 

ኣብ ከባቢ ፈስቲቫል ጉባኤ ናይ’ቲ ምትእስሳር ድሕሪ ምክያዱ: ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ (ዕለት 3 ነሓሰ) ንዂሎም ኣባላት
ሃዲሓኤ ዝጠርነፈ ኮንፈረንስ ክግበር መደብ ወጺኡ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ሓደ መስራቲ ኣባል ብምዃኑ: ኲሎም
ኣባላቱ ተኻፈልቲ ናይቲ ኮንፈረንስ ክኾኑ ኢዮም።

 

ኣቶ ሑመድ ኩሉ: ኣቦ መንበር ናይ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃዲሓኤ: ሓደ ካብቶም ንጡፋት ተሳተፍቲ ናይ’ቲ ወጺኡ ዘሎ መደባት
ኢዩ። ካልኦት ተሳተፍቲ ከኣ: ሰሜን ኣሜሪካ ዝምቕማጡ ኣቶ ረዘነ ሃብተን: ዓዲ እንግሊዝ ዝምቕማጡ ዓብዱራሕማን አልሰይድን (ቦሃሽም) ይርከብዎም።
ኣብቲ ንጥፈታት ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃዲሓኤ ዝካፈሉ ካብ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣቶ ወልደሱስ ዓማርን ኣቶ ኣሰፋው በርሀን ይርከብዎም።

 

 

ወጺኡ ዘሎ መደባት ከም ዝሕብሮ: ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃዲሓኤ ንሕሉፍ ተመክሮ መዚኑ ሓዲስን ብሓባራዊ ጒዕዞ ኣቢሉ ንቕድሚት
ዝደፍእን መደባት ክትልም ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ብመጽናዕቲ እተበጽሔ ሰነዳት ድሕሪ ምጽዳቑ ኣብቲ ንኣባልት ዝግበር ኮንፈረንስ
ክግለጽን ክሰፍሕን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

 

ኣቐዲሙ ንህዝቢ ይግለጽ ከም ዝነበረ: ቀንዲ ንዘተኣማምን ዲሞክርሲያዊ ለውጢ ዝጸደቐ  መቃለሲ መትከላት ሃዲሓኤ: ብህዝቢ ዝውነን እሞ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ሰላማውን
ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ቃልሲ ኢዩ። ምቛም ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃዲሓኤ: ንተሞክሮታት ቃልሲ ህዝቢ ኤሪትራን ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዓሌታዊ ፍልልይ ብሓባር ተቓሊሱ እተዓወተ ስሙር ዲሞክራሲያዊ ግንባር (United
Democratic Front) ዝጠመተ: ከምኡ ከኣ ብናይ ተመሳሳሊ ሓይልታት ቃልሲ ተጸልዩ እተበገሰ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ
እውን: ነቲ ዕዉት ዘይነበረ ተመክሮታት ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ምሕዝነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ድህሰሳ ድሕሪ ምክያድ ኢዩ ቈይሙ።

 

ብእምነት ኣዋሃሃዲ ሽማግለ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ መጻኢ መድረኽ ንተቓለስቲ
ባእታታትን፡ ሲቪካውን ፓለቲካውን ሓይልታትን ጠርኒፉ፡ ነቲ ጸኒሕ ኣሉታታት ተቓውሞ ኤርትራ ወጊዱ ብቑዕ መድረኽ ቃልሲ ክኸፍት ኢዩ።

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7396

Posted by on Jul 22 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net