መርገጺ ኤርትራዊ ሽወደናዊ መንእሰያት ንዲሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን

ሀ. ቀንዲ ዕላማ ዋዕላ ስቶክሆልም ንህዝብና ካብቲ ወዲቕዎ ዘሎ ኣበሳ ንምድሓን ተወዲብካ ምቅላስ እዩ።
ለ. ዋዕላ ስቶክሆልም ንምሉእ ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ይቃለስ።
ሐ. ካብዚ ስትራተጂካዊ ዕላማ ተበጊሱ ዋዕላ ስቶክሆልም ንዋዕላ ደብረዘይትን ነቲ ካብኡ ዝመንጨወ ”ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር” ይድግፍ።
መ. ዋዕላ ስቶክሆልም ነቲ ስሙር ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ይሰናዳእ ዝብል ውሳነ ዋዕላ ደብረዘይት ብምድጋፍ ኣድላይነት ኮሚሽን ዋዕላ የጽንዕ።
ሰ. ዕላማ ዝተጠቕሰ ኮሚሽን ንውህደት ዋዕላ ስቶክሆልም ምስ ”ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር” ንምንጻፍ እዩ።
ረ. ኣብ ዝመጽእ ስሙር ሃገራዊ ጉባኤ መንእሰያት ኣብ መንእሰይነትን ዓቕምን ጥራይ ዝተሃንጸ መሪሕነት ምቛም።
ሸ. ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ባይቶ ተወኪለን ስለ ዝርከባ ቀንዲ ዝምድና ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክኸውን ከሎ ካብኡ ወጻኢ ዝርከቡ ሓይልታት እውን ተመሳሳሊ ዝምድናታት ክህልዉ።

መትከላት
ሀ. ሃገራውነት ልዕሊ ኩሉ፣ ስለዚ ካብ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ውደባ ነጻ ምዃን።
ለ. መሰላት ብሄራትን ሃይማኖትን ኣውራጃን ጾታን ብቕዋም ክሕለዉ።
ሐ. ንግቡኣት ዝምልከት፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብጉልበቱን ፍልጠቱን ንዋዩን ክደራጆ፡ ንሕና መንእሰያት ድማ ግንባር ቀደም ክንከውን።
መ. ምሉእ ሓድነት ምስ ”ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር” ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ጉባኤ መንእሰያት ክውሰን።

ማሕበር ኤርትራዊ ሽወደናዊ መንእሰያት ንዲሞክራስያውን ማሕበራዊ ፍትሕን
ስቶክሆልም
11-08-2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7508

Posted by on Aug 12 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net