ሰሚናር ስ.ኤ.መ.ለ አብ ከተማ ሳን ሆዘ ተቓኒዑ

By EYSC-Bay Area
ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ቤይ ኤርያ ብዕለት 08/10/12 አብ ከተማ ሳን ሆዘ ስሩዕ አኼብኡ አቃኒዑ። አብቲ ዝተቓንዔ ሰሚናር አባላት ማሕበር ንምዕባለታት ስ.ኤ.መ.ለ አመልኪቶም ሰፊሕ ክትዕን ምይይጥን አካይዶም። ብምቕጻል ንህሉው ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ምዕባለታት ኤርትራን ንተራ መንእሰያት አብ ቃልሲ ንሓርነት ብዕምቆት ተዘትይሉ።
አብ ዝሓለፈ እዋን አብ ዋሽንግቶን ዲሲ ንዝተጋብኤ ኮንፈረንስ ድሕሪ ምግምጋም ብዛዕባ አብ ደብረዘይት ዝተገብረን አብ ስዊድን ክግበር ተሓሲቡ ንዘሎ ኮንፈረንስ መንእሰያት አመልኪቶም ብመልክዕ ሕቶን መልስን ተመያይጦም። ዝኾነ ይኹን አብ ሞንጎ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝግበር ምትእኽኻብ ነዚ ነሰላስሎ ዘለና ቃልሲ ሓጋዝን አብ ምምላስ ኤርትራዊ ርእሰ ተአማንነት አወንታዊ ተራ ከምዝህልዎ ተገምጊሙ።
ስ.ኤ.መ.ለ-ቤይ ኤርያ ብዝገበሮ ዘይትሓለለ ጻዕሪ ህግደፍ ካብቲ ፌስቲቫል ከዳልውሉ ዝሃቀንሉ ቤት ትምህርቲ ምስጓጎም አብ ጸብጻብ ቀሪቡ። ከም’ውን ወከልቲ ስ.ኤ.መ.ለ ምስ ከንቲባ ከተማ ሪችሞንድ ጋይል ማክላፍሊን (Mayor Gayle McLaughlin) ተራኺቦም ንግህሰት ሰብአዊ መሰላት አብ ኤርትራ ከምዝሓበርዋን በቲ ናይ ኤርትራ ክውንነት አዝያ ከምዝተሻቐለትን ተገሊጹ። ስርዓት ህግደፍ ብዉሳኔ ቁጽሪ 2023 ው.ሕ.ሃ እገዳ ተገሪሉ ክንሱ ብወይጦታቱ ከመይ ጌሩ ጉዳያቱ የሰላስል ነታ ከንቲባ መብርሂ ከም ዝተዋህባን፡ እዚ መስርሕ ምቅላዕ ንህግደፍ ቀጻሊ ምዃኑን ንከንቲባታት ኩለን ከተማታት ቤይ ኤርያን ከም ዝባጻሕ ተሓቢሩ።
አብ መዛዘሚ ህግደፍ ንንጥፈታት ስ.ኤ.መ.ለ-ቤይ ኤርያ ንከሰናኽል አብ ልዕሊ አባላት ማሕበር ንዝመሃዞ ክሲ ሕጅ’ውን ከም ትማሊ ከምዝብድህዎ አረጋጊጾም። እዚ ከንቱ ፈተነ ወይጦታት ህግደፍ፡ ንቓልሲ አንጻር ምልኪ ከደስክሎ ዘይኮነስ በንጻሩ ከምዘሕንኖ ተአሚኑሉ። አባላት ማሕበር ንደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ብሓፈሻ፡ ተቐማጦ ቤይ ኤርያ ድማ ብፍላይ ንወጻኢታት ጠበቓ ንኽሕግዝ ንዝገበርዎ ገንዘባዊ ሓገዝን ሞራላዊ ድጋፍን አመስጊኖም። ቀጻሊ መደባት ስ.ኤ.መ.ለ-ቤይ ኤርያ ድሕሪ ምዝርዛር ድማ አባልነት ማሕበር ዝድንፍዓሉ ለበዋታት ብምሕላፍ እቲ ሰሚናር ተዛዚሙ።
ክፍለ ዜናን ሓበሬታን
ስ.ኤ.መ.ለ-ቤይ ኤርያ (EYSC-Bay Area)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7510

Posted by on Aug 14 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net